እስራኤል፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብፍቓዶም ካብታ ሃገር ክወጹ ንምትብባዕ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዶላር ሰሊዓ

Radio Erena: Wednesday, 13 September 2023

ካቢኔ እስራኤል፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ህግደፍን ብብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢን ዝተኻየደ ናዕብን ዕግርግርን፣ ብ10 መስከረም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብወለንትኦም ክወጹ ንምትብባዕ ናይ 20 ሚልዮን ሽክል ወይ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዶላር ባጀት ኣጽዲቑ።

እታ ኣብ ፍሉይ ጉዳይ ዝተጋብአት ኮሚተ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት፣ ኣብ ደቡብ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ብ02 መሰከርም፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍን ደለይቲ ለውጢን ዝተኻየደ ጎነጽን፣ ንገሊኦም ናብ ዓዶም ንምስጓግ ኣብ ዘሎ ተኽእሎ ከምዝዘተየት’ዩ ተሓቢሩ።

ታምይስ ኦፍ እስራኤል ኣብዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ስደተኛታት ብብዝሒ ኣብ ዝነበሩ ከተማ እስራኤል ንዝበሩ ዜጋታት እታ ሃገር፣ መነባብርኦም ንምሕያሽ ተወሳኺ ኣስታት 2 ሚልዮን ዶላር ባጀት ክምደብ እታ ኮሚተ ወሲና።

ኣብ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 37 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

መብዛሕቶም እቶም ኤርትራውያንን ካልኦት ስደተኛታትን፣ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ቴልኣቪቭ ከምዝነብሩ ይፍለጥ።

ብኤምባሲ ኤርትራ ዝተወደበ ፌስቲቫል ህግደፍ ደው ንምባል ብምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ዝተወልዐ ጎነጽን፣ ባእሰን ዕግርግርን፣ ኣባልት ፖሊስ እስራኤል ዝርከብዎም ኣስታት 150 ሰባት ከምዝቆሰሉ’ዩ ተሓቢሩ።

ነቲ ጉዳይ ክሳብ እዚ እዋን የጻርን፣ ሸጓጉጥ ዓጢቖም ዝነበሩ ሰባት ይሃድንን ከምዘሎ ዝገልጽ መንግስቲ እስራኤል፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክሰጉግ ከምዝደሊ’ዩ ዘመልክት።

እቲ ጎነጽ ድሕሪ ምክያዱ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፣ ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ስርዓት ዝድግፉ እንተኾይኖም፣ ኣብ እስርኤል ዑቕባ ዘሕትት ስለዘይብሉን ናብ ዓዶም ክስጎጉ ኣለዎም ክብል ናብ ደገፍቲ ህግደፍ ዘነጻጸረ መጠንቀቕታ ምሃቡ ኣይርሳዕን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0