ደቡብ ሱዳን፣ ዝመጽእ ዓመት ንመጀመርያ እዋን ምርጫ ፕረዚደንት ከተካይድ’ያ

Radio Erena: Thursday, 17 August 2023

ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ተፈልያ ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ዝመጽእ ዓመት፣ ንመጀመርያ እዋን ሓፈሻዊ ምርቻ ከተካይድ’ያ።

ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ መሰጋገሪ መንግስቲን ተቓወምቲ ኣካላትን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፣ እቲ ምርጫ ኣብ 2024 ክካየድ እኳ እንተተወሰነ፣ ዕለትን ወርሕን ግና ኣይተጠቕሰን።

ኣብቲ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ምርጫ ደቡብ ሱዳን፣ ነታ ሃገር ካብ እዋን ናጽነታ ን12 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ንሰልፊ ምንቅስቓስ ሓርነት ደቡብ ሱዳን ብምውካል፣ ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ 9 ሓምለ 2015፣ ፈላሚ ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ መዲባ እኳ እንተነበረት፣ ብስግኣታት ጸጥታ፣ ዕልዋ፣ ብልሽውናን ውሽጣዊ ግጭታትን፣ ነዚ ዝሓለፈ 8 ዓመታት ከተካይዶ ኣይከኣለትን።

ኣብ ተኣፋፊ ጸጥታ እትርከብ ደቡብ ሱዳን፣ ብምኽንያት እቲ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ ናብ ተወሳኺ ግጭታት ከይተምርሕ ዝተፈላልዩ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0