ኣመሪካን ጂቡቲን፣ ኣብ ጸጥታን ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተመያይጠን

Radio Erena: Monday, 14 August 2023

ኣመሪካን ጂቡቲን፣ ኣብ ጸጥታን ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተመያይጠን።

ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፣ ኦስቲን፣ ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ዝገብሮ ናይ ቴሌፎን ምይይጥ፣ ጂቡቲ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ስትራቴጃዊ ምሕዝነት ‘ውን ገምጊሞም።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ፣ ስትራቴጃዊት ጂቡቲ፣ ኣብ ሱዳን ካብ ዝተወልዐ ኵናት ዜጋታት ኣመሪካ ንምውጻእ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ዝገበረቶ ኣበርክቶ ዘመስገነ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን፣ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ መዳይ ምክልኻል ክህልወን ብዛዕባ ዝኽእል ምትሕግጋዝ ጠቒሱ።

ጂቡቲ፣ ኣብ ገማግም ባሕራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ለሞንየ፣ ልዕሊ 4 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ኣመሪካ፣ ብቀዋምነት ከተአንግድ እንከላ፣ በብእናዊ ንፍሉይ ስርሒታት ንዝዋፈራ ኣሃዱታት’ውን ክሊ ኣየራ፣ ባሕራን መሬታ ከምእትፈቅድ ይፍለጥ።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ፣ ኣብቲ ቅድሚ ሳልስቲ ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ ዘካየዶ ናይ ቴሌፎን ምይይጥ፣ ብብዘይካ’ቲ ብሜድያ ዝተዘርግሐ፣ ካልእ ምስጢራዊ ዝርርብ ምክያዶም መርበብ ዜና ሚሊታሪ ኢንተልጀንሲ ኣሚቱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0