ኬንያ ኣብዚ ክልተ ወርሒ ልዕሊ 500 ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም መሊሳ

ኬንያ ኣብዚ ክልተ ወርሒ ልዕሊ 500 ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም መሊሳ

Radio Erena: 02 March 2015

ken500eth

መንግስቲ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ኣትዮም ንዝበሎም ልዕሊ 500 ኢትዮጵውያን ኣብ ውሽጢ’ዚ ክልተ ወርሒ ናብ ዓዶም ከምዝመለሰ ንመገለጺ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ሻንጋይ ደይሊ ኣብ ናይ ትማሊ ጸብጻቡ ጠቒሱ።

እቶም 105 ካብዚኣቶም ኢስዮሎ ኣብ ዝተባህለ ዞባ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኮይኖም ብመንገዲ ሞያለ ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ኣዛዚ እቲ ቤት ማእሰርቲ ሓሰን ኢብራሂም ኣረጋጊጹ።

 

ፖሊስ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶባት እናቋረጹ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእታው መደብ ኔርዎም ዝበሎም ልዕሊ 100 ኢትዮጵያን ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ተሓቢኦም ኣብ ዝነበርሉ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝሓዞም ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

ብመንገዲ ሞያለ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኬንያ ናይ ዝሰግሩ ቁጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝውስኽ ዘሎ ኮይኑ፣ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 2014’ውን ልዕሊ 380 ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ከምዝመለሰት ዝጥቀስ’ዩ።

እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኬንያ ዝሰግሩ ኢትዮጵያውያን ናይ ስራሕ ዕድላት ንምርካብ ናብ ብመንገዲ ታንዛንያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምስጋር ዝሕልኑ ምዃኖም ምስ ካልእ ዝኾነ ገበን ምትእስሳር ከምዘይብሎምን ኣብ ዝህብዎ መርመራታት ከምዝገልጹ’ውን ኣዛዚ ፖሊስ ናይቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ ክፋል ኬንያ ሓሰን ኢብራሂም ይጠቕስ።

እንተኾነ ናብ ዓዶም ቅድሚ ምምላሶም፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኬንያ ኣብ ዝጸንሕሉ ግዜ፣ ንመንግስቲ ኬንያ ብዚሕ ክሳራተት የውርዱ ምህላዎም ብምትሕስሳብ፣ መንግስቲ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ብዝቀልጠፈ ናብ ዓዶም ክመልሶም ተማሕጺኑ።

ነዞም ትማሊ ሰንበት ናብ ዓዶም ዝተመልሱ 105 ኢትዮጵያውያን፣ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ካብ ዝቀረበሉ ክሳብ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሕሉ ግዜ 87 ሽሕ ዶላር ወጻኢ ከምዝተገብረሎም’ውን ከም ኣብነት ጠቒሱ።

ብመንገዲ ኬንያን የመንን ናብ ስደት ዘምርሑ 10ታት ኣሽሓት ኢትዮጵያን ናይ ዝበዝሑ ምኽንያት ስደቶም ቁጠባዊ እኳ እንተኾነ፣ ሓያሎ ካልኦት’ውን ፖለቲካዊ ምኽንያት ከምዘቕርቡ ዝፍለጥ’ዩ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0