ሃገራዊ ኮርፐረሽን ዕደና ኤርትራ ብዘይፍሉጥ ካፒታል ከምዝንቀሳቀስን ኣብ ኣሰራርሕኡ ግሉጽነት ከምዘየለን ተሓቢሩ

ሃገራዊ ኮርፐረሽን ዕደና ኤርትራ ብዘይፍሉጥ ካፒታል ከምዝንቀሳቀስን ኣብ ኣሰራርሕኡ ግሉጽነት ከምዘየለን ተሓቢሩ

Radio Erena: 02 March 2015

Min

ኤርትራ ኣብ ዕደና ዓቢ ቆላሕታ ረኺበን ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ እኳ እንተኾነት፣ ኣብ ምሕደራ ይኹን ኣብ ኣተሓሕዛ ኣታውን ወጻእን ናይቲ ናይ ዕደና ፕሮጀክታት ግሉጽነት ብዘይምህላዉ ግና ካብ ረብሕኡ ሃስያኡ ከይዓቢ ስኽፍታ ከምዘሎ ሓደ ሰራሕተኛ ሃገራዊ ኮርፐራሽን ዕደና ጠቒሱ።

እቲ ስም ክንዕቕበሉ ዝሓተተ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ካብ ተማሃሮ ጂኦሎጂ ሓደ ምንባሩ ዝጠቀሰ ኤርትራዊ፣ እቲ ብስም ሃገራዊ ኮርፐረሽን ዕደና ኤርትራ ዝፍለጥ ሃገራዉ ትካል ምስ ሚኒስትሪ ማዕድን ዘለዎ ርክብ ቴክኒካዎ ጥራይ ምዃኑ ብምጥቃስ ብዛዕባ ወጻኢታትን ኣታዊታትን ብዝምልከት ግና ጸብጻባቱ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጥራይ ከምዘረክብ ሓቢሩ።

 

ብመንግስቲ ዝውነን ሃገራዊ ኮርፐረሽን ዕደና፣ ካብተን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና ተዋፊረን ዘለዋ 17 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ካብ ገሊኤን ካብ 45 ክሳብ 55 ሚእታዊት ዝውንን እኳ እንተኾነ፣ ዝንቀሳቀሰሉ ካፒታል ብወግዒ ከየፍለጠ ኣብ ስራሕ ተዋፉሩ ምህላዉ እቲ ሰራሕተኛ ናይቲ ትካል ነበር ገሊጹ።

ወጻኢታቱ ይኹን ኣታዊታቱ ብወግዓዊ መንገዲ ንኣባላቱ ከምዘይሕብር’ውን ኣረዲኡ።

ብኣንጻሩ እተን ምስቲ ሃገራዊ ትካል እናተሻረኻ ዝሰርሓ ዘለዋ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት በብምዱብ ግዜ ወግዓዊ ጸብጻባት ከምዘቕርባን፣ እዚ ናይዘን ትካላት ኣሰራርሓ ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዘየሐጉሰን’ውን ሓቢሩ።

ኣብ ሓደ ኣኼባ ናይቲ መንግስታዊ ትካል’ውን እዘን ናይ ወጻኢ ትካላት ዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻባት ህዝቢ ብጌጋ ይርድኦ ምህላዉ’ውን ከም ሕማቕ ኣብነት ከምዝተጠቕሰ ኣገንዚቡ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ካብ ግልጹነት ዝረሓቐ ብምዃኑ፣ እዚ ካብ ጸጋታት መሬት ኤርትራ ክርከብ ጀሚሩ ዘሎ ኣታዊታት፣ ኣብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ክውዕል’ዩ ዝብል እምነት ከምዘየሎ’ውን ጠቒሱ።

መንግግስቲ ኤርትራ ብስም ትካላት ህግደፍ ኣብ ዘቆሞ ናይ ንግዲን ህንጻን ትካላት ተመሳሳሊ ኣካይዳ ክኽተል ከምዝጸንሕ ዘዘኻኸረ እቲ መንእሰይ፣ እዚ ናይ ዕደና ጉዳይ’ውን ካብዚ ብዝገደደ ብዘይ ግሉጽ ኣገባብ ብምስጢር ሒደት ሰባት ጥራይ ተታሒዙ ምህላዉ’ዩ ዘመልክት።

ኣብ ስዊዘርላንድ ብስም ኤርትራውያን ተዋህሊሉ ጸኒሑ ዝተባህለ መንግስቲ ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ብምስጢር ከምዝንቐሳቐስ ዘጉልሐ ኣካይዳ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።

ሰራሕተኛታት ናይቲ ሃገራዊ ኩባንያ ዕደና ካብቲ ካልእ መንግስታዊ ትካላት ክልተ ዕጽፊ ደሞዝ ከምዘለዎም እዚ ድማ ኣብ ኩለን’ተን ብህግደፍ ዝውነና ትካላት ዝስርሓሉ ኣገባብ ምዃኑ’ውን ኣብ መደምደምታ ጠቒሱ።

 

መብርሂ ብዛዕባ ስእሊ፣- ክታም ዘንብር ዘሎ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ሚኒስተር ማዕድን ነበር ኣቶ ኣሕማድ ሓጅ ዓሊ ድሕሪ 2013 ከኣ ምስ ናይ ፎርቶ ፍጻሜ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ’ዩ።

=============================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0