ጂቡቲ፣ 50 ሽሕ ቶን ክብደት ዘለወን መራኽብ ንምጽጋን ዘኽእል ተንሳፋፊ ጋራጅ ኣብ ኣገልግሎት ኣውዒላ

Radio Erena: Wednesday,09 August 2023

ጂቡቲ፣ ኣስታት 50 ሽሕ ቶን ክብደት ንዘለወን መራኽብ ንምጽጋን ዘኽእል ተንሳፋፊ ጋራጅ ኣብ ኣገልግሎት ከምዘውዓለት ኣፍሊጣ።

ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ነቲ ኣብ ጽገና መራኽብ ዝዋፈር ተንሳፋፊት ኣብ ወደብ ጂቡቲ ኣብ ዝተቐበለሉ ኣጋጣሚ፣ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝህልዋ ብመንገዲ ትዊተር ገሊጹ።

እቲ ተንሳፋፊ ጋራጅ፣ ኣብ ክሊ ማይ ባብ ኤል መንደብ፣ ንመራኽብ ከጋጥምን ንዝኽእል ጸገማት ኣብ ምጽጋን ዓቢ እጃም ከበርክ ከምዝኽእል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊጹ።

ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ዝልዓለ ስትራቴጃዊ ኣገዳስነት ከምዘለዋ እትግለጽ ጂቡቲ፣ ብዘይካ’ቲ ንናይ ንግዲ መራኽብ እትህቦ ኣገልግሎታት፣ ወደባታ ንኣህጉራዊ ወትሃደራዊ ንጥፈታት’ውን ተውዕሎ’ያ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0