ቱኒዝያ፣ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ትፍጽሞ ኣላ ዝተባህለ ግፍዕታት ጸለመ’ዩ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ‘ታ ሃገር ነጺጉ

Radio Erena: Wednesday,09 August 2023

ቱኒዝያ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ስደተኛታት ትፍጽሞ ምህላዋ፣ ብማዕከናት ዜና ዝጋዋሕ ዘሎ ሓበሬታ፣ ጸለመ’ዩ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ብ08 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነጺጉ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ፣ ቱኒዝያ፣ ብኣንጻሩ ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ኩነታቶም ትከታተልን ትከላኸልን’ያ ዘላ ኢሉ።

እንተኾነ ቱኒዝያ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ ዶባታ ናይ ምሕላው መሰል ከምዘለዋ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።

ቱኒዝያ፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ሓሊኖም በብእዋኑ ናብታ ሃገር ዝሰገሩ፣ ዜጋታት ትሕተ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝኾኑ ስደተኛታት ተጋፍዕን፣ ንኣሽሓት ካብኣቶም ድማ ናብ ዓዶም ብግዴታ ንምምላስ ኣብ ሰሓራ ከምዝጠንጠነቶምን’ያ ትውቀስ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ናይ ገዛን ናይ ጉልበትን ስራሕ ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ብዙሕ ግፍዕታት ትፍጽም ምህላዋ ክትወቀስ’ያ ጸኒሓ።

መንግስቲ ቱኒዝያ፣ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ሓሊኖም ናብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝኣተዉ ስደተኛታት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፣ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ተቓውሞ ክገጥሞ እንከሎ፣ ብሕሉፍ የመናዊ ሰልፊ ዝምራሕን ኣንጻር ስደተኛታት ጽልኢ ዘለዎን መንግስቲ ኢጣልያ ግና ደገፉ’ዩ ገሊጹ።

ኢጣልያ፣ ኣብ ምግታእ ስደተኛታትን ካልእ ናይ ንግዲ መደባትን ዘጠቓለለ ናይ ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ምስ ቱኒዝያ ስምምዕ ከምዝኸተመት ይዝከር።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ስደተኛታት ጽዒና ካብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ዝተበገሰት ጃልባ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓሉ ብውሕዱ 16 ሰባት ሞይቶም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0