ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወተሃደራት ሶማል፣ ከካብ መዓስከራቶም ሃዲሞም ናብ ፑንትላንድ ይሰግሩ ምህላዎም ተገሊጹ

Radio Erena: Monday, 07 August 2023

ማዕከን ዜና ጋሮወ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ፣ ክሳብ 400 ዝኣኽሉ ወተሃደራት፣ ናብ ሰራዊት ፑንትላንድ ተጸምቢሮም ምህላዎም ኣመልኪቱ።

እዚ ፕረዚደንት ደኒ ባዕሉ ይከታተሎ ከምዘሎ ዝግለጽ፣ ነቶም መንእሰያት ናይ ምዕስካር መደብ፣ ነፍሲ ወከፍ ወተሃደር ወርሓዊ 100 ዶላር ካብ ፑንትላንድ ክኽፈሎ፣ 200 ዶላር ከኣ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝምወል ወተሃደራዊ ሓገዝ ክወሃቦም መብጽዓ ከምዝተኣትወሎም ይግለጽ።

ሓያሎ ካብቶም ኣብ ደቡብ ሶማል ዓስኪሮም ዘለዉ፣ ኣብ ኤርትራ ዝተዓለም ወተሃደራት እውን ናብ ፑንትላንድ ክሰግሩ ይሕልኑ ከምዘለዉ፣ ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ንጋሮወ ኣመልኪቶም።

እቶም ድሮ ተዓስኪሮም ዘለዉ ወተሃደራት ካብ ከተማ ጋሮወ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝተሰርሐ ግዚያዊ መዓስከር ይእከቡ ምህላዎም፣ ፕረዚደንት ደኒ ኣብ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ንክዕወት ከም መሳርሒ ከይጥቀመሎም ዝብል ስግኣት ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ኣመሓደርቲ ንምምራጽ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ፣ ኣብ ድምጺ መውሃቢ ቦታታት፣ ምሉእ ዕጥቂ ዝዓጠቑ ወተሃደራት ተዋፊሮም ምህላዎም ዘመልከቱ ተዓዘብቲ፣ ፕረዚደንት ደኒ ናይ ጸጥታ ስግኣት ከምዘሎ ብምምሳል፣ ድምጺ ህዝቢ ክሰልብ ንክጥዕሞ ዝኣለሞ ውዲት እዩ ክብሉ’ዮም ተቓወምቱ ዝገልጹ።

ኣብ ኤርትራ ተዓሊሞም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ መንእሰያት ሶማል፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ተኸታታሊ መጥቃዕታት፣ ዓቢ እጃም ክጻወቱ ተስፋ ከምዘንበረሎም ምግላጹ ይዝከር።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0