መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ግፍዕታትን ከብቅዕ፣ ሃገራዊ ጽገና ክገብር ኣመሪካ ጸዊዓ

Radio Erena: Friday 23 June 2023

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣምሪካ ብቀጻሊ ከምእትኹንኖ፣ ቀዋሚት ወኪል እታ ሃገር ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣምባሳደር ሚሸል ተይለር ገሊጻ።

ኣምባሳደር ሚሸል፣ ኣብ ጀቬቫ ኣብ ዝጋባእ ዘሎ መበል 53 ዋዕላ እቲ ቤት ምኽሪ፣ ብ19 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ፣ ኣብ ኩነታት ኤርትራ ዘተኮረ ምይይጥ ኣብ ዘስምዓቶ ቃል፣ ሓሳቦም ብናጻ ክገልጹን ንጥፈታት እምነቶም ዘሰላስሉን ዜጋታት እታ ሃገር ከም ስቃይ፣ ብሃውሪ ምእሳርን ካልእን ዝኣመሰለ ግፍዕታት ከምዝበጽሖም ጠቒሳ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣመሪካ፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዕስክርና ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ከምእትኹንን እታ ኣምባሳደር ሓቢራ።

ንሳ ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሱዳን ካብ ዝተወልዐ ኵናት ንዝሃድሙ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ ኤርትራ ከምዘስገሮም ዘመልክት ጸብጻብ ከምዘለዎም ኣገንዚባ።

እታ ቀዋሚት ወኪል ኣመሪካ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተሪፉ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ጠቕሊሉ ክወጽእን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕታት ደው ከብልን ኣተሓሳሲባ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ ገበናት ኵናት ንኣመሪካ ከምዘተሓሳስባ ብምግላጽ ድማ ነቲ ገበናት ዝፈጸሞ ኣካላት ክሕተቱ ከምዘለዎም ኣስሚራትሉ።

ኣምባሳር ሚሸል ኣብ መወዳእታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ ዘይሕጋዊ ተግባራት ደው ክብል፣ ሃገራዊ ጽገናታት ከካይድ ጸዊዓ።

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክከታተል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ራፖርተር፣ ዶ/ር መሓመድ ባቢከር፣ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከም ቀድሙ ይቕጽል ከምዘሎ ዘረድአ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ‘ዩ ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ፍሉይ ራፖርተር፣ ናብታ ሃገር ከይኣቱ ስለዝኸልከሎ፣ ጸብጻባቱ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ ዝተሰዱ ኤርትራውያን ዝተመርኮሰ’ዩ።

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤት ምኽሪ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ንኹሉ’ቲ ዝቐረበ ወቐሳታት ነጺግዎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0