ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ምዕራብ ሸዋ ግጭት ከምዘካየዱ ተሓቢሩ

Radio Erena: 16 May 2023

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ፣ ሜታ ወልቂጤ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ግጭት ከምዘካየዱ፣ ኦነግ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ሓቢሩ።

እቲ ግንባር፣ ብ14 ግንቦት፣ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ነቲ ብስራዊት መንግስቲ ዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ብምምካት፣ 94 ወትሃደራት ከምዝቐተለን ልዕሊ 50 ድማ ከምዝማረኸብ ጠቒሱ።

ኣብ ዞባ ወለጋ፣ ዞባ ሆሮ ጉድሩ’ውን ተመሳሳሊ ግጭት ምክያዱ ኦነግ ኣመልኪቱ።

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ብግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ብዝምልከት መልሲ ኣይሃበሉን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞያ፣ ከተማ ቢሾፍቱ፣ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ መርበባት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን።

ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፣ ናብ 15 ግንቦት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ብዝፈጸምዎ መጥቃኦቲ፣ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ክቕተሉ እንከለዉ፣ ሓደ ድማ ብጽኑዕ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ይእለ ኣሎ።

ናይቲ ኣብታ ከተማ ዝተፈጸመ መጥቅዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ኣብ መንግቲ ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፣ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተኻየደ ዘተ፣ ብዘይ ዝኾነ ስምምዕ ከምዝፈሸለ ይዝከር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0