ኬንያ፣ ‘ብጥሜት እንተሞይትኩም ናብ መንግስተ ሰማይ ክትኣትዉ ኢኹም’ ተባሂሎም ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 200 በጺሑ

Radio Erena: 16 May 2023

ኣብ ኬንያ፣ ‘ብጥሜት እንተሞይትኩም ናብ መንግስተ ሰማይ ክትኣትዉ ኢኹም’ ተባሂሎም ናይ ዝሞቱ፣ ብዝሒ ሰባት፣ ልዕሊ 200 ከምዝበጽሐ መርበባት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጠን።

ብስራት ወይ ‘ጉድ ኒውስ’ ብዝተሰምየ ጉጅለ እምነት ተመሪሖም ናይ ዝሞቱ ሰባት ሬሳ፣ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ክርከብ ከምዝጸንሐ ዝሓበራ እተን መርበባት፣ መብዛሕቶም እቶም ግዳያት ቆልዑ ምዃኖም ኣስሚረናሉ።

እቲ ብፓስተር ፖል መከንዚ ከምዝምራሕ ዝተገልጸ ጉጅለ ኣመንቲ፣ ‘ሻካሆላ’ ኣብ ዝተባህለ ጫካ ኮይኑ’ዩ ነቲ ህይወት ኣማኢትሰባት ኣጥፊኡ ዘሎ ሃይማኖታዊ ንጥፈታቱ ኣካይዱ።

ተጣበቕቲ መሰላትን ካብቲ ፍጻሜ ዝሃደሙን ሰባት ንፖሊስ ብዝሃቡዎ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብቲ ጫካታት ብዝተኻየደ ተፍትሽ፣ ኣብቲ ፈለማ ናይ 10 ሰባት ሬሳ ክርከብ እንከሎ፣ ብጅምላ ናይ ዝተቐብሩ ሰባት ክኽውን ከምዝኽእል ዝተጠርጠረ ጋህስታት ድማ ኣብ ሓለዋ ጸኒሑ።

ብውሕዱ 15 ሰባት ‘ውን ብጥሜት፣ ጽምኢን ድኻምን ተሰኒፎም፣ ህይወቶም ከይሓለፍ ትልኽ ክብሉ ኣብቲ ጫካ ከምዝተረኽቡ ጸብጻብ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ብቅትለት ኣማኢት ሰባት ተኸሲሱ ዘሎ ፓስተር ፖል መከንዚ፣ ኣቐዲሙ’ውን፣ ምስ ሞት ክልተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ብዝተሓሓዝ ጉዳይ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ምንባሩ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0