ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ሎሚ ረቡዕ 3 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ

Radio Erena: 03 May 2023

ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ሎሚ ረቡዕ 3 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።

እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝዝከር ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዓለም፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተሓሪሙ ምህላዉ ኣጉሊሑ።

ኣብዛ ዕለት፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቀዳሞት ጸላእቲ ፕረስ ምዃኑ፣ ብዝተፈላለዩ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወጽእ ዘሎ መግለጺታት የመልክት።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ’ውን፣ ቀዳሞት ጸላእቲ ናጻ ፕረስ ተባሂሎም፣ ብሕማቕ ኣብነት ካብ ዝተጠቕሱ መራሕቲ፣ ከም ናይ ቅድሚኡ ዓመታት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግኑን ስም ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ 2001 ኣትሒዞም በብእዋኑ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ጋዜጠኛ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ኣዳላውትን ከምኡ ድማ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜናን ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ይኹን ካልእ ማዕከን ዜና ኣብ ዘይብላ ኤርትራ፣ ኣብ ርእሲ ድማ ንሓያሎ ዓመታት ንዝተቐየዱ ጋዜጠኛታት ናብ ፍርዲ ከተቕርብ ብዘይምኽኣላ፣ ነዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ብናጽነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት ምስ ዝስራዓ ሃገራት’ያ ትርከብ።

ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ብዘስፈሮ ጸብጻብ፣ ንኤርትራ ብደረጃ ናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ’ዩ ሰሪዑዋ።

ኖርወይ፣ ደንማርክ፣ ሽወደን፣ ኤስቶንያን ፊንላንድን ብናጽነት ፕረስ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክርከባ እንከለዋ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ኤርትራ፣ ኢራን፣ ቱርኪመንስታንን ሚያንማርን ከኣ ናጽነት ፕረስ ዘይፈቕዳ ሃገራት ተባሂለን ኣብ ድሕሪት ተሰሪዐን ኣለዋ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0