Radio Erena: 01 May 2023
ባሕቲ ግንቦት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ብደረጃ ዓለም ትዝከር ኣላ።
ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት፣ ተኸሲቱ ብዘሎ ቁጠባዊ ብድሆታት፣ ፈረንሳ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ ሰራሕተኛታት መሰሎም ክሕሎ ዝጽውዕ ኣድማን ናዕብን ብምክያድ ዮም ነዛ ዕለት ዝዝክሩዋ ዘለዉ።
ብኣንጻር እዚ፣ መሰል ሰራሕተኛ ፈጺሙ ኣብ ዘይክበረላ ኤርትራ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፣ ኣኼባታትን ስማዊ ሰልፊን ብምትእንጋድ፣ ከምእትዝከር ይፍለጥ ።
ኣብ ኤርትራ፣ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንኣህጉራዊ ሕግታት ዕዮን መሰል ሰራሕተኛታትን ዝጥሕስ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ፣ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።
ዝበዝሐ ዓያዩ ሓይሊ ሰብ፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ዝተጸምደ ክኸውን እንከሎ፣ እቶም ወግዓዊ ደሞዝ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ‘ውን እንተኾነ መሰላት ማሕበራዊ ድሕነት የብሎምን።
መሰል ሰራሕተኛታት ኣብ ዘይክበረላ ኤርትራ፣ እቲ ብደረጃ ዓለም ንሰራሕተኛታት ኣገደሲ መባእታዊ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ዝኾነ መልዕሎ ወይ ጥሮታ ከምዘየለ ይፍለጥ።
ኣብ እዋን መግዛእቲ’ውን ዝነበረ፣ ሓደ ካብ ኣውራ መሰላት ሰራሕተኛታት ምዃኑ ዝፍለጥ ጥሮታን ካልእ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ረብሓታታን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ከም ኣርእስቲ’ውን ዝልዓል ኣይኮነን።
ዕድመ ዝደፍኡ ወይ ድማ ብሕማምን ካልእ ምኽንያታትን ስራሕ ከቛርጹ ዝግደዱ ዜጋታት፣ ዋላ’ውን ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሑ እንተኾይኖም ብዘይዝኾነ ጥሮታን ካልእ ረብሓታት ማሕበራዊ ድሕነትን ስለዝፋነዉ፣ ኣብ ከቢድ ጸገም ክወድቑ ምርኣይ ንቡር’ዩ።
እቲ ነዚ መሰላት እዚ ክጣበቕ ዝግብኦ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ወይ ሃኮሰአ ድማ፣ ከም ጥብቖ ትካል ህግደፍ፣ ንመጋበርያ ፖለቲካ እንተዘይኮኑ ንሰራሕተኛታት ዘርብሕ ዕዮ ከምዘይብሉ’ዩ ዝንቐፍ።
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=====================
COMMENTS