ዘተ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ደሴት ዛንዚባር ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 27 April 2023

መንግስቲ ኢትዮጵያን ንናጽነት ኦሮሞ ዝቃለስ፣ ብ ‘ኦነግ ሸኔ’ ዝጥቀስ ዕጡቕ ሓይሊን፣ ኣብ ታንዛንያ፣ ደሴት ዛንዚባር ዘተ ከምዝጀመሩ ተሓቢሩ።

እቲ ብሰሉስ 25 ሚያዝያ ዝተጀመረ ዘተ፣ ንመንግስቲ ይኹን ነቲ ዕጡቕ ሓይሊ ዝወከሉ ኣካላት ከምኡ ድማ እቲ ሳልሳይ ኣካል ኣዛታዪ፣ ከይጥቀሱን ብምስጢር ክተሓዙን ከምዝተወሰነ ተገሊጹ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ፣ ኣቶ ደመቀ መኮነን፣ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየዶ ዘሎ ዑደት፣ ብ25 ሚያዝያ ብታንዛንያ ምሕላፉ፣ ኣብቲ መኽፈቲ እቲ ዘተ ንምስታፍ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ምንጭታት እታ ሃገር ኣንፊቶም።

እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ብወግዒ ዝተገልጸ ምጅማር ዘተ ክልቲኦም ውገናት፣ ቅድመ ኩነታትና ዘማልእ’ዩ ብምባል ከምዝተቐበሎ እኳ እንተገለጸ፣ ብመንግስቲ ኦነግ ሸኔ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከምዘይደልን ንዕላምኡ ከምዘይውክልን ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቐስ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ደጀኑ ዝገበረ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ‘ሽበራዊ ጉጅለ” ክብል ብመንገዲ ፓርላማ ድሕሪ ዝሃቦ ስያሜ፣ ንምድምሳሱ ተደጋጋሚ ወትሃደራዊ ፈተነታት ኣካይዱ ኣይተዓወተን።

ክልቲኦም ወገናት፣ ‘ኵናት መፍትሒ ኣይኮነን ኣብ ዝብል መርገጺ ስለዝተረዳድኡ’፣ ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ክኣትዉ ከምዝተገደዱ ተንተንቲ የረድኡ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ ዝርከባ 21 ዞባታት ብውሕዱ ኣብተን 8፣ ሰራዊት መግስቲን እቲ ዕጡቕ ሓይልን ተደጋጋሚ ግጭታት ከካይዱለን ጸኒሖም’ዮም።

ብፍላይ ኢትዮጵያ፣ ናብ ናይ ብሄር ግጭታት ኣብ ዘምርሓትሉ፣ ብፍላይ ንክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ኣብ ዘዋስን ሓያሎ ዞባታት፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ክልቲኦም ብሄራት፣ ህይውት ኣማኢት ሰባት ዘጥፍአ ግጭታት ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0