መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ኩባ ናይ ሞያውያን ሓገዝ ይሓትት

ብዋሕዲ ሞያውያን ሓካይም ኣብ መዋጥር ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ኩባ  ናይ ሞያውያን ሓገዝ ይሓትት ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሮም።

    በብግዜኡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሞያ ሕክምና ዝምሃሩን ዝስልጥኑን ዜጋታት እኳ እንተለዉ፣ ካብቲ ዝምሃርን ዝስልጥንን ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ ሞያዊ ዓቕሚ ብምዝያዱ’ዩ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ኩባ ዝሓትት ዘሎ።

    ነዚ ንምስላጥ ድማ ሓደ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኩባ ከምርሕ ምዃኑ እቲ ዝተወከስናዮ ምንጪ ገሊጹ።

    ኣብ ከም በዓል ኦሮታን ሰምበልን ዘሎ ዘመናዊ መሳርሒታት ሕክምና ኤክስረይን መጥባሕትን፣ ልዑል ሞያዊ ዓቕሚ ዘለዎም ሓካይም ከምዘድልይዎ ዝሓበረ እቲ ምንጪ፣ ብዛዕባ’ቲ መሳርሒታት ክስልጥኑ ናብ ኢጣልያ ዝተላእኩ ብርክት ዝበሉ ሓካይም’ውን ከምዘይተመልሱ ኣፍሊጡ።

    ብሰንኪ ዋሕዚ ሞያውያን ሓካይም ናብ ስደት ከቢድ ሃጓፋት ዘጋጥሞ ዘሎ ሆስፒታላትን ኣብያተ ሕክምናን፣ ብኩባውያን ሓካይም ንምትክኡ ድማ ምስ ኩባ ኣቐዲሙ ዝርርብ ከምእተጀመረ ይንገር።
ካብ 2006 ዓመት ምሕረት ንደሓር ኣማኢት ኩባውያን ሓካይም ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓምታት ኣገልግሎታት መብዛሕትኦም ናብ ዓዶም ተመሊሶም’ዮም።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ዋሕዲ መሰረታዊ መድሃኒታት ይገንን ምህላዉ ተሓቢሩ።
እዚ በብእዋኑ ክረአ ዝጸንሐ ዋሕዲ መሰረታውያን መድሃኒታት ኣብዚ እዋን እዚ ኣመና ገኒኑ ብምህላዉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሱዳን መድሃኒት ክሽምት ከምዝጀመረ ይጥቐስ።

    ንውሽጣዊ ሃልኪ መድሃኒታት ክትሽፍንያ ዝብሃለላ ዝነበረት ኣብ ከረን ዝተደኮነት ፋብሪካ መፍረ መድሃኒት ኣዘል’ውን ስእነት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብዘስዓቦ ዋሕዲ ቀመማት ከምቲ ዝድለ ተፍሪ ከምዘየላ ኣቐዲሙ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0