ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሚልዮናት ሰባት ካብ ደርቂ ንምድሓን 2.6 ቢልዮን ዶላር ምወላ ከምዘድሊ ኢጋድ ገሊጹ

Radio Erena: 29 March 2023

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣንጸላልዩ ኣብ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ፣ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ንምድሓን፣ 2.6 ቢልዮን ዶላር ምወላ ከምዘድሊ፣ ናይ መንግስታት በዓል ስልጣን ንልምዓት ወይ ኢጋድ ገሊጹ።

እቲ ዞባዊ ውድብ፣ ብ28 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብቲ ዞባ 47 ሚልዮን ሰባት ሓደጋ ደርቂ ኣንጸላልይዎም ከምዘለዉ ብምትሕስሳብ፣ ገሊኦም ንምት ዝተቓሊዑ ‘ዮም ኢሉ።

70% ካብዞም ብሰንኪ ደርቂ፣ ውሕስነት መግቢ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልን ከምዝርከቡ፣ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ፣ ወርቅነህ ገበየሁ፣ ኣብቲ ኣብ ኬንያ ከተማ ይሮቢ ዝሃቦ መግለጺ ኣነጺሩ።

ሶማል ናይ 1.6 ቢልዮን ዶላር ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልያ ዘመልከተ እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ኢትዮጵያ 710 ሚልዮን ዶላር ኬንያ ድማ 378 ሚልዮን ዶላር ምወላ ከምዘድልየን ዘርዚሩ።

ኢጋድ ብተወሳኺ፣ ዛጊት ልዕሊ 10 ሚልዮን ከብቲ፣ ጤሌበጊዒን መጽዓኛን ብሰንኪ ደርቂ ከምዝሞታን ሚልዮናት ሰባት ድማ መግብን ማይን ንምምእራር ዓድታቶም ራሕሪሖም፣ ተሰዲዶም ከምዘለዉ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 40 ዓመታት እቲ ዝበኣሰ ምዃኑ ትካላት ረዲኤት ይገልጻ እኳ እንተለዋ፣ መንግስታት ሃገራት እቲ ዞባን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብን ቅልጡፍ ምላሽ ይህበሉ ከምዘየለ ይወቕሳ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ንኵናት ቢልዮካት ዶላር ዘባኽናን ብሰንኪ ኵናት ከቢድ ዕንወትን ምምዛብል ህዝቢን ዘስዕባ ዘለዋ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንገዛእ ህዝበን ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ንምቕራብ፣ ካብ ለገስቲ ሃገራት ረዲኤት ምሕታተን ንብዙሓት ዘተሓሳስብ ጉዳይ’ዩ።

ብፍላይ ‘ታ ኣብዚ ዘመን ብተደጋጋሚ ብደርቂ ዝተጠቕዐት ኢትዮጵያ፣ በቲ ሓደ ወገን ካብ ለግስቲ ረዲኤት ብምሕታት ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ እንከላ፣ በቲ ካልእ ወገን ድማ ስርናይ ንመሸጣ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክትልእኽ ምዃና እትህቦ ዘላ መግለጺታት ንብዙሓት ዘገረመ ዛዕባ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0