ካብ መቐለ ክሳብ ጅቡቲ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ክህነጽ’ዩ

ካብ መቐለ ክሳብ ጅቡቲ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ክህነጽ’ዩ

Radio Erena: 16 February 2015

ethio

ኣብ ምህናጽ መንገዲ ባቡር፣ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ኣብ ምትግባር እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ከተማ መቐለ ክሳብ ወደብ ታጁራ ናይ ጅቡቲ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ንምህናጽ እምነት መሰረት ከተንብር’ያ።

እዚ 757 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ካብ መቐለ ክሳብ ጅቡቲ ዝዝርጋሕ መንገዲ ባቡር ኣብ ቁጠባ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዓቢ ግደ ክጻወት ትጽቢት ዝንበረሉ ኮይኑ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተወጠነ’ዩ።

 

ንምህናጽ እዚ መንገዲ ባቡር 3.2 ቢልዮን ዶላር ባጀልት ዝተሰልዐ ኮይኑ፣ ካብ መንግስታት ቻይናን ቱርክን ብዝተረኽበ ልቃሕ ክትግበር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኢትዮጵያ ኣቐዲማ’ውን ካብ ቻይና ብዝተረኽበ ምወላ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ከተማ ባቡራት ማለት ትራምወይ ኣብ ስራሕ ንምውዓሉ ፈተነታት ኣብ ምክያድ ትርከብ።

ኣብ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ገዚፍ ናይ ልምዓት መደባት ኣብ ምትግባር እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ እተተግብሮ ዘላ ምህናጽ ሰፋሕቲ ጽርግያታት ሃይወይ፣ መንገዲ ባቡር፣ ንቦሌ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ምዕባዩ ፕሮጀክት’ውን ተተሓሒዛቶ ትርከብ።

መዲና ናይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብቀዳማይ ደረጃ ዝርሳዕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ፣ ዓመታዊ ካብ ዝህቦ ናይ 7 ሚልዮን ሰባት ኣገልግሎት ናብ 22 ሚልዮን ክብል ንምባሉ’ዩ ናይ ምስፋሕ መደብ ዝትግበረሉ ዘሎ።

ኢትዮጵያ፣ እብ ግዙፍ ናይ ትሕተ ቅርጺ፣ መራኸቢታትን ካልእ ህንጻዊ ምዕባለታትን ተጸሚዳ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ ዝበዝሐ ናይዚ ፕሮጀክታት እዚ ካብ ቻይና ብዝተረኽበ ምወላን ልቃሕን ይካየደ ምህላዉ ይግለጽ።

ኢትዮጵያ እተመዝግቦ ዘላ ዓወታት ልምዓታዊ መደባት ካብ ሓያሎ ኣድናቖት እኳ እንተረኸበ፣ እታ ሃገር ኣብ ናይ ቻይና ልቃሕን ምውላን ጥራይ ጽግዕተኛ ምዃና ንመጻእ ካልእ ቁጠባዊ ሳዕቤን ከይህልዎ ዘጠንቕቑ’ውን ኣለዉ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0