ግዳያት ላምፔዱሳን ካልኦትን ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ኣብ ምስግጋር ክነጥፍ ጸኒሑ ዝተባህለ ሶማላዊ ን30 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

ግዳያት ላምፔዱሳን ካልኦትን ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ኣብ ምስግጋር ክነጥፍ ጸኒሑ ዝተባህለ ሶማላዊ ን30 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 16 February 2015

elmi

ነቶም ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓሉ ኣስታት 360 ኤርትራውያን ካልኦትን ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ኣብ ምስግጋር ክነጥፍ ጸኒሑ ዝተባህለ ሶማላዊ ን30 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ።

እቲ መሓመድ ዕልሚ ሙሔዲን ዝተባህለ ወዲ 34 ዓመት ሶማላዊ፣ ኣብታ ብወርሒ ጥቕምቲ 2013 ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓለት ጃልባ እኳ እንተነበረ፣ ካብቶም ድሒኖም ብኻልእ ጃልባ ናብ ሌምፔዱሳ ዝኣተዉ ሒደት ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

 

ንሱ፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ላምፐኢዱሳ ዘጋጠመ ሞት ኣስታት 360 ኤርትራውያን፣ ብምስግጋር ደቂ ሰብ፣ ምዕማጽ ደቂንስትዮን ካልእ ገበናትን ተኸሲሱ’ዩ ኣብ ደቡባዊ ሲሲልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣግሪጀንተ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዝቀረበ።

ካብቲ ናይ ላምፔዱሳ ሓደጋ ዝደሓነትን ግዳይ ጾታዊ ዓመት ዝኾነትን 18 ዓመት ዝዕድሚኣ ኤርትራዊት መንእሰይ ነቲ ሶማላዊ ከተለልዮ ምኽኣላ’ውን ካብ ኢጣልያ ዝተመሓላለፈ ጸብጻብ የመልክት።

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣዝዮም ብዙሓት ደላሎን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብን፣ ነቲ ንኤርትራውያንን ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ገጢምዎም ዘሎ ናይ ስደት ኩነታት ብምምዝማዝ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ስደተኛታት ብዙሕ ኢሰብኣዊ ተግባራትን ከቢድ ገበናትን ከምዝፍጽሙ ብመርትዖታት ተሰኒዱ ዘሎ’ዩ።

በዚ ናይ ላምፔዱሳ ሓደጋ ድማ እቲ ሶማላዊ ጥራይ ዘይኮነ፣ ካልኦት ምስቲ ጉዳይ ምትእስሳር ዘለዎም’ውን ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ይግባእ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0