ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ሙሉእብርሃን 5ይ ደረጃ ሒዙ

Radio Erena: 23 February 2023

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ብረቡዕ 22 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ 4ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ መበል 5ይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብ ሳልሳይ መድረኽ 1ይ ብምውጻእ ዝተዓወተ ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ናይ ግዜ ውድድር ብምምራሕ ብሰሉስ ዝተረከባ ቢጫ ማልያ ኣብዚ ናይ ረቡዕ ውድድር ብ 11 ካልኢታት ንዝበለጾ ንፈረንሳዊ ቢነት ቶማስ ኣረኪቡ።

8ተ መድረኻት ዘጠቓለለ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ፡ሓሙስ 23 ለካቲት እውን ካብ ሩሲዚ ተባጊሱ ኣብ ሩባቩ ብዝፍጸም ሓምሻይ መድረኽ ክቕጽል’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0