ኣትሌት ራሄል ዳኒኤል፣ ኣብ ኢጣልያን ስጳኛን፣ ብሓደ መዓልቲ ተረሓቒሑ ኣብ ዝተኻየደ ክልተ ውድድራት ጉያ መሮር ተዓዊታ

Radio Erena: 10 January 2023

ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ራሄል ዳንኤል፡ ብዓርቢ 6ን ሰንበት 8ን ጥሪ ተደራራቢ ዓወት ብምሕፋስ ጐብለል ውድድር ጉያ መሮር ኮይና።

ንሳ፡ ኣብ’ቲ ኣብ San Giorgio su Legnano ኢጣልያ ብዓርቢ ዝተሳለጠ መበል 66 ውድድር ጉያ መሮር Campaccio-International፡ ንመወዳድርታ ብምብላጽ ናይ ዓመተ 2023 ፈላሚ ዓወታ ኣመዝጊባ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ኣብ ፖድየም ሓዂራ ዝነበረት ራሄል፡ ነዚ 6 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ቅድድም ብ19 ደቓይቕን 10 ካልኢታትን ዓሚማቶ።

ራሄል ኣብ ርእሲ”ዚ፣ ብቅድሚ ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ መበል 79 ውድድር ጉያ መሮር Elgoibar Juan Muguerza ስጳኛ፡ ኣብ ዘቓንዓቶ ቅድድም፡ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ቅድሚ ሳልስቲ ዝረኸበቶ ዓወት ከይሃሰሰ ከሎ ደጊማ ኣተርኒዓቶ።

ንምኩራት ኣትሌታት ረቲዓ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልታት ተውለ ዓወታት ዝጨበጠት ውልዶ መንእሰይ ራሄል፡ ብድሕሪ ናይ ሰንበት ዓወታ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ምሉእ ኣተኩሮኣ ናብ’ቲ ዝመጽእ ወርሒ፣ 18 ለካቲት ኣብ ኣውስትራልያ ዝካየድ መበል 44 ሻምፕዮን ውድድር ጉያ መሮር ዓለም ምዃኑ ገሊጻ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0