ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ክሊ ማያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንፍሉይ ስርሒት ኣዋፊርዎ ዝጸንሐ ሓይሊ ባሕሪ ንክልተ ዓመታት ክቕጽል ወሲኑ

Radio Erena: 09 January 2023

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምስ ሽፍትነት ባሕሪ ተተሓሒዙ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ክሊ ማይ ባብ ኤልመንደብን ኣዋፊርዎ ዝጸንሐ ሓይሊ ባሕሪ ንተወሳኺ ክልተ ዓመታት ክቕጽል ወሲኑ።

እቲ ካብ 2008 ኣትሒዙ፣ ኣብቲ ክሊ ማይ ተዋፊሩ ዝጸንሐ፣ ‘ኣትላንታ’ ዝተሰምየ ስርሒት ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዋላ ‘ኳ ኣብ ገማግም ሶማል ዝርአ ዝነበረ ምጭዋይ መራኽብ ኣብዚ እዋን’ዚ እንተዘየለ፣ ምስ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምዝማድ’ዩ ንተወሳኺ ክልተ ዓመታት ክጸንሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ ዘሎ።

ወትሃደራዊ ባሕርያ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብቲ ክሳብ 31 ታሕሳስ 2024 ኣብ ክሊ ማያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸንሓሉ ክልተ ዓመታት፣ ውሕስነት ንግዳውያን መራኽብ ኣብ ምሕላውን ንረብሓታት እቲ ሕብረት ዝጻባእ ስጉምታት ኣብ ምግታእን ክነጥፍ ምዃኑ ጠቒሱ።

ዓመታዊ ብገምጋም ኣስታት 10 ሽሕ ንግዳዊ መራኽብ ዝመላለሳሉ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብሰንኪ ተርእዮ ሽፍትነትን ባሕሪን ጭውያ መራኽብን ኣብ ሓደጋ ምስ ምውዳቑ፣ እተን ነዚ መስመር ብዝያዳ ዝጥቀማሉ ከም ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ፍሉይ ስርሒታት ሓይሊ ባሕሪ ብምቛም፣ ኣብቲ ክሊ ማይ መራኽብ ኵናት ኣዋፊረን ይርከባ።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ ገማም ባሕሪ ሶማል ዝርአ ዝነበረ ሽፍትነት ባሕሪን ምጭዋይ መራኽብን ናብ ዜሮ ወሪዱ እኳ እንተሎ፣ እዘን ሃገራት ግና ኣብቲ ክሊ ማይ ዘዋፈረኦ ሓይልታት ክውስኽ ደኣ’ምበር ክጎድል ኣይተራእየን።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0