የመንን ሱዳንን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክገብራ ተሳማሚዐን

Radio Erena: 23 December 2022

ሱዳንን የመንን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክገብራ ዝሕግዘን ኣፈናዊ መዘክር ፈሪመን።

ብሌተናል ጀነራል ሞሕሰን ኣል-ዳየሪ ዝተመርሐ ወተሃደራዊ ልኡኽ የመን፣ ኣብ ሱዳን ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ድሕሪ ምፍጻሙ እዩ፣ እቲ ስምምዕ ተፈሪሙ።

ብፍላይ ኣብቲ ሚኒስተራት ምክልኻል ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት የመንን ሱዳንን፣ ናይ ምትሕግጋዝ፣ ስልጠናታትን ታዕሊምን፣ ምልውዋጥ ወተሃደራዊ ሓበሬታ፣ ኣብ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብሓባር ከስርሖም ዝኽእል መቓን ክምስረት ተሰማሚዖም።

ብተወሳኺ ኣብ ምውሓስ ሰላም፣ ምቁጽጻር ቅልውላው፣ ምምካት ግብረሽበራን ቅርሰና ባሕሪን ብዝምልከት ኣብ መንጎ ሱዳንን የመንን ብዝለዓለ ምትሕብባር ክስራሓሉ ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም።

ሱዳን ኣብ ኲናት የመን ዝሳተፉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት ኣዋፊራ ጸኒሓ እያ። ካብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2019 ጀሚሩ ኣብ የመን ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊት ሱዳን ካብ 15 ሽሕ ናብ 5 ሽሕ ወሪዱ።

እንተኾነ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ’ቲ ንመንግስቲ የመን ብምድጋፍ ኣብታ ሃገር ኲናት ዘካይድ ዘሎ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ እዩ ተጠርኒፉ ጸኒሑ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ስምምዕ፣ ሰራዊት ሱዳን ርእሱ ክኢሉ’ዩ ኣብ የመን ክንቀሳቐስ።

ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ነዚ ስምምዕ ብምፍራሙ፣ ድሮ ካብ በርጌሳውያን ማሕበራት ተቓውሞ ገጢሙዎ ኣሎ። እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ከረክብ ጸቕጢ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፣ ምፍርራም ናይ ወጻኢ ዝምድናታት፣ ነቲ ኩሎም ወገናት ተሳማሚዖምሉ ዝቐውም ሲቪላዊ መንግስቲ ዝምልከት እዩ ዝብል ተቓውሞታት እዩ ዝቐርብ ዘሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0