መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲን ሶማልን አብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ አፍሪቃ ብምትኳር ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ምክልኻልን ኣመሪካ ተመያይጦም

Radio Erena: 16 December 2022

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ፕረዚደንታት ጂቡቲን ሶማልን፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምትኳር ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከንን ሚኒስተር ምክልኻል ሎይድ ጃስቲንን ብምርኻብ ተመያይጦም።

እቶም መራሕቲ፡ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣመሪካን ኣፍሪቃን’ዮም ምስቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ከምዝዘተዩ፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

አንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብ 02 ሕዳር ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዂሲ ብፍሉይ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ሓደ ካብ ኣውራ ነጥብታት ኔሩ።

ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንትግባር ‘ቲ ሓደ ወርሑ ኣሕሊፉ ዘሎ ስምምዕ ከቀላጥፍን ከዐውትን ከምዝኽል ኣንቶኒ ብሊንከን ንኣብይ ኣሕመድ ኣዘኻኪሩ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ድማ ኣመሪካን ጂቡቲን ዘለወን ወትሃደራዊን ጸጥታዊን ምትሕግጋዝ ዘዕብያሉ ተኽእሎታት ተመኻኺሮም፡፡

ምስ ፕረዚደንት ሶማል፡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ዝገብሮ ርክብ ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣሸባብ ፈጢርዎ ዘሎ ስግኣትን ክልቲኤን ሃገራት ብሓባር ዝግብርዎ ዘለዋ ወትሃደራዊ ስርሒታትን ገምጊሞም፡፡

ምምሕዳር ባይደን፡ ኣብ ምዕዋት ራኢታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምርግጋጽውሕስነት መግቢን ካልእ ዞባዊን ኣህጉራውያን ኣጀንዳታት ዝዘተየ፡ ካብ 13 ክሳብ 16 ታሕሳስ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ዋዕላ ኣመሪካን ኣፍሪቃን፡ ንሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት ናይዛ ኣህጉር ክግልሎም እንከሎ፡ ሓደ ካብኦም ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0