‘ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ትግራይ ቁሸት 50 ሰባት ረሺኑ። ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም

Radio Erena: 15 December 2022

ሰራዊት ኤርትራ፡ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዓስኪሩለን ኣብ ዘሎ ከባቢታት ትግራይ፡ አብ ሓንቲ ቁሸት ጥራይ ኣስታት 50 ሰባት ከምዝረሸነ፡ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ወቒሱ።

ዶ/ር ቴድሮስ፡ ሓደ ካብቶም ዝተረሸኑ ኣኩኡ ምዃኑ ኣመልኪቱ፡፡

እታ ቅትለት ተፈጹሙላ ዝተባህለት ናይ ትግራይ ቁሸት ግና ንድሕነት ነበርታ ክብል ክጠቕሳ ከምዘይደሊ ኣዘኻኺሩ። 

ንሱ፡ ኣብ መዕጸዊ ናይቲ ብ15 ታሕሳስ ዘካየዶ፡ ንኮቪድ-19 ዝምልከት ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ብሰንኪ ዝተሰምዖ ሓዘን፡ ነቲ መደብ ክስርዞ ወጢኑ ምንባሩ ጠቒሱ።

ሰራዊት ኤርትራ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዂሲ፡ ካብ ዝበዝሓ ዓበይቲ ከተማታት ሰሜን ትግራይ እኳ እንተሰሓበ፡ ኣብ ዶባት ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ናይታ ክልል ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘይወጸ’ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ፡  ብዳይረክተር ናይቲ ዝልዓለ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጥዕና ትካል ቀሪቡ ንዘሎ ወቐሳ ምላሽ ኣይሃበሉን። 

መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ናይ ትግራይ መበቖል ዘለዎን ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ዝነበረን ዶ/ር ቴድሮስ፡ ዘለዎ ጽፍሒን መድረኽ ናይቲ ኣህጉራዊ ትካልን፡ ሓይልታት ትግራይ ንምድጋፍ ይጥቀመሉ ምህላዉ ክወቕሱ ጸኒሖም።

ብፍላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንሱ ንካልኣይ እዋን ዳይረክተር ናይቲ ውድብ ኮይኑ ንኸይምረጽ ወግዓዊ ተቓውሞ ኣቕሪቡ ኔሩ’ዩ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0