ህዝቢ ሱዳን፣ ንስምምዕ ሰላም ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ የካይድ

Radio Erena: 11 December 2022

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን፣ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለን ንዝፈረምዎ ስምምዕ ዝቃወም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ።

እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሱዳን ንመዓልታት ዝቐጸለ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ከምዝተሳተፎ ራድዮ ዳባንጋ ንምንጭታታ ብጥቃስ ገሊጻ።

ብፍላይ ኣብ ከተማታት ካርቱምን ኡምዱርማንን ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ሓይልታት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ብምጥቃም ነቲ ሰልፊ ክብትንዎ እኳ እንተፈተኑ፣ ህዝቢ ንዓበይቲ ጎደናታትን ንከተማታት ዘራኽብ ድልድላትን ዓጽዩዎ ውዒሉ።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ህዝቢ፣ ‘ናይ ሓሶት ለውጢ ኣይንደልን’፣ ‘ወተሃደራዊ ጉጅለ ካብ ሱሩ ይመሓው’ ዝብሉ ጭርሖታት ከቃልሕ ቀንዩ።

ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ዓበይቲ ሓይልታት ሱዳን ዝካየድ ስምምዕ፣ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣብቂዑ፣ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ዘሰጋግር ናይ መጀመርያ ደረጃ ከምዝኾነ ብሃገራት ምዕራብ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ህዝቢ ሱዳን ግና፣ እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ንስምምዕ ሰላም ኣመኽኒዩ ካብ ሓላፍነት ንኸምልጥ ዝኣለሞ ውዲት እዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ’ቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ እምነት ከምዘይብሉ ይገልጽ ኣሎ።

ህዝቢ ሱዳን ብተደጋጋሚ ዘቕርቦ ዘሎ ጠለብ፣ ኣባላት’ቲ ዕልዋ ዘካየደ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ፈጺሞሞ ኢሉ ብዝኸሶም ምስቓይን ምግራፍን ሰባት፣ ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ሓላፍነት ብምውሳድ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ክቐርብ ዝብል ይርከቦ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0