ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ኣማኢት ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 07 December 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

እቲ ካብ ምዕራብ ወለጋ ናብ ምብራቕ ወለጋ፣ ከባቢታት ኪራሙ ልሒሙ ዘሎ ግጭት፣ ኣስታት 400 ሽሕ ህዝቢ ካብ ዓድታቱ ኣመዛቢሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ማእከል ናይቲ ግጭት ኮይኑ ዘሎ ኪራሙ፣ መብዛሕቶም ነበርቱ ካብቲ ግጭት ሃዲሞም ናብ ውሕሱ’ዩ ዝበልዎ ከባቢታት ይሃድሙ ምህላዎም ህዝባዊ ርክባት ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኦሮምያ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 1100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ንጸብጻብ መንግስቲ ናይቲ ክልል ብምጥቓስ ዘረጋገጸ ዘ ሪፖርተር ብወገኑ፣ 28 ካብኣቶም ኣብ ወለጋ ዝተቐትሉ ሰበ ስልጣን ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ኣብቲ ክልል ካብ ዘለዋ 20 ዞባታት፣ ኣብተን ሸሞንተ ብቀጻሊ ግጭት ይካየድ ከምዘሎ’ዩ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ፣ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 3 ቢልዮን ብር ዝግመት ንብረት ክዓንዩ እንከሎ፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተመዛቢሉ ኣሎ።

ጸጥታ ናይቲ ክልል ከረጋግእ ዘይክኣለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ እናለሓመ ዝመጽእ ዘሎ ግጭት ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምንዳይ’ዩ ዕቱብ ተበግሶታት ከምዘይወሰደ ሓያሎ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ይነቕፉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0