ኢጣልያ፣ ክትሃድኖ ዝጸንሐት ኤርትራዊ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ደቂሰብ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 13 October 2022

ኢጣልያ፣ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክትሃድኖ ዝጸንሐት፣ ኣብ ምስግጋር ደቂሰብ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ፣ ደቂሰብ ኣብ ቀይዲ ከምዝአእተወቶ ገሊጻ።

እቲ ገብረመድህን ተመስገን ገብሩ ዝተባህለ ወዲ 35 ዓመት መንእሰይ፣ ካብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ኣውስትራልያ እናተበገሰ እንከሎ’ዩ ብምክትታል ሓይልታት ጸጥታ ተታሒዙ።

ንሱ ናይ ኣውስትራልያ ፓስፖርት ከምዝነበሮ ዝጠቐሰ ፖሊስ ኢጣልያ፣ ብምትሕብባር ኢንተርፖል፣ ኤውሮፖል፣ ሆላንድን ብሪጣንያን ክተሓዝ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኢጣልያ ተሰጋጊሩ ምህላዉ ብምርግጋጽ ድማ፣ ተመስሪትሉ ብዘሎ ክሲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሊብያን ኣብ ፓሌርሞ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ፖሊስ ኢጣልያ ኣነጺሩ።

ኢጣልያ፣ ንነዊሕ እዋን ትሃንድኖ ዝነበረት፣ ‘መድሃኔ’ ዝተባህለ ኣሰጋጋሪ ደቂሰብ ፣ ብናይ ስም ጌጋ ኣብ 2016 ካብ ሱዳን ተታሒዙ ከምዝተረከባ ኣይርሳዕን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም፣ ተወልደ ጎይትኦም ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ኣብ ሆላንድ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ናብታ ኣረኪብዎ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0