ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዞባ ወለጋ፣ ከባቢ ሆሮ ጉድሩ ብዕጡቓት ኣምሓራን ኦሮሞን ናይ ዝተቐትሉ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 100 ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 28 September 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ዞባ ወለጋ፣ ከባቢ ሆሮ ጉድሩ፣ ብዕጡቓት ኣምሓራን ኦሮሞን ናይ ዝተቀትሉ ሰለማውያን ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 100 ከምዝበጽሕ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን፣ ብ26 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ቅትለት ኣብ ዓድታት ኡሙሩ፣ ሆሮ ቡልቅን ጃርቴን ዝተፈጸመ መጥቅዕታት፣ ኣብ ብሄር ዘተኮረ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብታ ሃገር፣ ብሄር ዒላማ ዝገበረ፣ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝካየድ ዘሎ ቅትለትን ካልእ ግፍዕታትን ንምግትኡ፣ ፈደራላዊን ክልላዊን መንግስታት፣ ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምታት ምስቲ ኩነታት ናብ ዝዳረግ ደረጃ ክዓቢ፣ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ኣቶ ዳኒኤል በቀለ ጸዊዑ።

ዕጡቓት ኦሮሞ፣ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣቐዲሙ ብዕጡቓት ኣምሓራ ኣብቲ ዞባ ዝተፈጸመ ቅትለት ተወላዶ ኦሮሞ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ መንግስቲ ብ24 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም፣ ዕጡቓት ኣምሓራ፣ ኣብተን ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝርከባ ዓድታት ብምእታው፣ ተወላዶ ኦሮሞ ዝኮኑ ኣስታት 60 ሰባት ከምዝቐተሉን ልዕሊ 70 ድማ ከምዘቑሰሉን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናይ ብሄር ግጭታት ክገትእን ድሕነት ዜጋታቱ ከውሕስን ብዘይምኽኣሉ ዝተፈላለዩ ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውን ውድባትን ነቐፌታን ወቐሳን የዝንቡ ኣለው።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0