ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ጂቡቲ ብምስጢር ይዛተዩ ኣለዉ

Radio Erena: 10 September 2022

ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ኣብ ጂቡቲ ብምስጢር ይዛተዩ ከምዘለዉ ራድዮ ፈረንሳ ንምንጭታት ዲፕሎማሲ ብምጥቃስ ኣረጋጊጻ።

እታ ራድዮ ሎሚ ቀዳም 10 መስከረም ኣብ ዝፈነወቶ ዜና፣ እቶም ፖለቲካውያን ወከልቲ ክልቲኦም ወገናት፣ ብድፍኢት ኣመሪካ ናብ ዘተ ክቐርቡ ከምዝተገደዱ ሓቢራ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፣ ካብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ኵናት ዳግም ድሕሪ ምውልዑ፣ ብ2 መስከረም ብህጹጽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘምርሕ ይዝከር።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዝርራብ ናብ መቐለ’ውን ከምዝኣተወ ተፈሊጡ።

ይኹን’ምበር ውጽኢት ናይቲ ናብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዘካየዶ ምብጻሕ ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

ራድዮ ፈረንሳ ብዘቕረበቶ ዜና መሰረት፣ እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ንክልቲኦም ወገናት ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ከምዝደረኸ ኣገንዚባ።

እቲ ኣብ ጂቡቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ፣ ንሓያሎ መዓልታት ክቕጽል ምዃኑ እኳ እንተተገልጸ፣ ካብ ክልቲኦም ወገን መነ- መን ከምዝተወከሉ ኣይተነጸረን።

ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ ክኽተም፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ከባቢታት ትግራይ ክወጽእ፣ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ካብ ክልል ኣምሓራ ክስሕቡን ጉዳይ ምዕራብ ትግራይን ቀንዲ ካብቲ ኣብ ጂቡቲ ዝካየድ ዘሎ ኣርእስታት ‘ቲ ዘተ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0