ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን፣ ኣብ ታሪኽ’ታ ሃገር ናይ መጀመሪያ ናጻ ምርጫ ብምክያድ፣ መራሕቱ መሪጹ

Radio Erena: 30 August 2022

ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን፣ ኣብ ታሪኽ’ታ ሃገር ናይ መጀመሪያ ናጻ ምርጫ ብምክያድ፣ መራሕቱ መሪጹ።

ኣብ እዋን ስርዓት ኣልበሽር ማሕበር ጋዜጠኛታት ምንባሩ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ካልኦት በርጌሳውያን ትካላት ዝሰርሕ ዝነበረ ማሕበር፣ ምስ ስርዓት ኣልበሽር ንዝደናገጹ ጋዜጠኛታት ጥራይ ዝሓቖፈ እዩ ኔሩ።

ምምስራት ናይዚ ብናጽነትን ብርትዓዊን ኣገባብ መራሕቱ ዝመረጸ ማሕበር፣ ኣባላቱ ኣብ ምሕላው ጥራይ ዘይኮነ፣ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣብ ዘይበለየላ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ፕረስ ዝግበር ጸቕጢ እውን ክቃለስ ምዃኑ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

1,164 ኣባላት ከምዘለዉዎ ዝንገረሉ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን፣ ሰራሕተኛ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ንዝኾነ ሱዳናዊ ጋዜጠኛ ዓብደልሞን ኣቡ-ኢድሪስ ከም ኣቦ ወንበሩ መሪጹዎ።

ምስ ስርዓት ኣልበሽር ዝደናገጹ ናይ ቀደም ኣባላት’ቲ ማሕበር፣ እቲ ቀዳማይ ከይፈረሰ፣ ብካልኣይ ሓድሽ ማሕበር ክትካእ የብሉን ብምባል ነቲ ምርጫ ደው ከብሉዎ ጥርዓን ኣቕሪቦም ኔሮም።

እንተኾነ እቲ ተጣበቕቲ መሰላትን ማሕበረሰብ ሕጊን ዝተዓዘብዎ ምርጫ፣ ናጻን ርትዓዊን ብምንባሩ፣ ብዓወት ከምዝተዛዘመ እዮም ኣፍሊጦም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0