ኣብ ጀርመን ከተማ ጊሰን ብደለይቲ ለውጢ ዝተበተነ ፈስቲቫል ህግደፍ፤ ዳግማይ ክካየድ ካብ ምምሕዳር’ታ ከተማ ፍቓድ ረኺቡ

Radio Erena: 31 August 2022

ኣብ ጀርመን ከተማ ጊሰን ብደለይቲ ለውጢ ዝተበተነ ፈስቲቫል ህግደፍ፤ ዳግማይ ክካየድ ካብ ምምሕዳር’ታ ከተማ ፍቓድ ከምዝረኸበ ተገሊጹ።

ምምዳር ከተማ ጊሰን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ እቲ ፈስቲቫል ህግደፍ፤ ንቀዳም ዕለት 3 መስከረም ክካየድ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ጊሰን ኣለክሳንደር ራይት፤ ‘ነቲ ብቆንስላዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝተዳለወ በዓል ብፍሉይ ኣተኩሮ ብምርኣይ፤ ክማሉኡ ዝግብኦም ቅጥዕታት ተወሲኹዎም ምህላዉ ገሊጹ።

ብመሰረት ካብታ ከተማ ዝተመሓላለፈ ዜና፤ ነቲ አብ ዕለት 20 ነሓሰ ዝተመደበ ፈስቲቫል ዘበርዓኑ መንእሰያት፤ ኣእማን፤ ኣባትርን በላሕቲ ነገራትን ሒዞም መጺኦም ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ ብዘውደቑዎ ሓደጋ፤ ሸውዓተ ፖሊስ ዝርከብዎም 33 ሰባት ከምዝተሃርሙ ኣመልኪቱ።

እቲ ኣዳራሽ፤ ሃይማኖታዊ ይኹን ፖለቲካዊ እምነቱ ብዘየገድስ ንኩሉ ሰብ ክፉት’ዩ’ ዝብል መምርሒ ስለእንኽተል፤ ነዞም ደገፍቲ ህግደፍ በዓል ክገብሩሉ ፈቒድና፤ ክብሉ’ዮም ኣመሓደርቲ’ቲ ኣዳራሽ ዝገልጹ።

ኣብዚ ናይ ቀዳም 3 መስከረም ዳግማይ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ፈስቲቫል ህግደፍ፤ ካብ ደለይቲ ለውጢ ተመሳሳሊ ተቓውሞ ክገጥሞ ንምዃኑ፤ ዛጊት ዝተሓበረ ነገር የለን።

ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝገብሮ ፈስቲቫላትን ሰሚናራትን፤ ሓሓሊፉ ዕንቅፋት ከጋጥሞ እኳ እንተጸንሐ፤ ከምዚ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዝሕይልን ዝተወደበን ተቓውሞ ክገጥሞ፤ ናይ ፈለማ እዋኑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0