ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዐ ውግእ ሓድሕድ ይኹንን

Radio Erena: 26 August 2022

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዐ ውግእ ሓድሕድ ዝኹንን መግለጺታት የውጽእ ኣሎ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኲናት ምቕጻሉ ጓሂ ከምዝተሰመዖ ብምግላጽ፣ ክልቲኦም ወገናት ናብቲ ዝጀመሩዎ ዝርርብ ሰላም ክምለሱ ጸዊዑ።

ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃመት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፣ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ከምዘድሓነ ብምዝኽኻር፣ ኩሎም ወገናት፣ ነቲ ብወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጀመረ መንጎኝነት ዕድል ክህብዎ ጸዊዑ።

ንዳግማይ ምውላዕ’ቲ ኲናት ብዝምልከት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፣ ሓድ-ሕድ እዮም ዝወቓቐሱ።

ህወሓት ብረቡዕ 24 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሰራዊት መንግስቲ ምልሻታት ፋኖን፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ኣዋፊሩ፣ ኲናት ከምዝጀመረ ክገልጽ እንከሎ፣ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ሰራዊቱ ንዝተኻየደሉ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎ ክብል፣ እቲ ኲናት ብወገን ህወሓት ከምዝጀመረ ገሊጹ።

ካብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ብወገኑ፣ እቲ ኲናት ብእዋኑ ደው ክብል እንተዘይክኢሉ፣ ድሮ ብኲናት ተዳኺሙ ዝጸንሐን ሓደጋ ጥሜት ኣንጸላልዩዎ ዘሎን ህዝቢ’ቲ ዞባ፣ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክሽመም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ነዚ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዝኹንን ተመሳሳሊ መግለጺታት፣ ካብ ብሪጣንያን ቱርኪን ዝርከበአን ሓያሎ ሃገራት ዓለም ተቓሊሑ ኣሎ።

ኣቐድም ኣቢሉ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ብዓቕሚ ምድኻሞም፣ ንዘተ ሰላም ዕድል ክህቡ ቀሲቡዎም እዩ፣ ምባሉ፣ ብዓንተቡኡ’ውን ዘተ ንምጅማር ቅድመ-ኩነታት ንዘቐመጡ ክልቲኦ ወገናት ድሌት ሰላም ሃልዩዎም ዘይኮነ፣ ግዜ ንምዕዳግ ዝመሃዝዎ ሜላ’ዩ፣ ክብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ዲፕሎማሰኛታት ይኸሱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0