ማልታ፣ ሓደ ኤርትራዊ ብሓደጋ ማኪና ሞይቱ

Radio Erena: 26 August 2022

ኣብ ማልታ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ብሓደጋ ማኪና ዝሞተ ውልቀሰብ፣ ኤርትራዊ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ወዲ 29 ዓመት ኤርትራዊ፣ ኣብ ቦታ ሓደጋ ብኡ ንብኡ ህይወቱ ከምዝሓለፈት፣ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ።

ነቲ ሓደጋ ዝፈጸመ ወዲ 24 ዓመት ተወላዲ ማልታ፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ።

ንመንነት እቲ ህይወቱ ዝሓለፈት ኤርትራዊ ይኹን ነቲ ሓደጋ ዝፈጸመ ወዲ ማልታ ብዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

ፖሊስ’ታ ሃገር ብዛዕባ’ቲ ሓደጋ መኪና ገና ኣብ መርመራ ስለዘሎ፣ ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0