ደቡብ ሱዳን፣ ሓዉ ዝተቐንጸሎ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ

Radio Erena: 27 July 2022

መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ኮሚሽነር ምምሕዳር ማዮምን ሓዉ ንኣማኻሪ ፕረዚደንትን፣ ጄምስ ጋትሉክ ማኒን፣ ምስ ዓጀብቱ ቀቲሎም።

እቶም ዕጡቓት፣ ብ22 ሓምለ፣ ኣብ ዞባ ዩኒቲ፣ ከባቢ ማዮም ንዝርከብ መንበሪ ቤት እቲ ኮሚሽነር ብምኽባብ፣ ንኹሎም ዓጀብቱ ድሕሪ ምቕታል’ዮም ቀንጺሎሞ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ቱት ጋትሉክ ማኒን፣ ብ24 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓዉ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ጉዳይ ቅትለት ሓዉ ንምክትታል ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ንሱ፣ ሓዉ ዝተቐትለሉ ምኽንያት እኳ እንተዘይኣመተ፣ ቅትለት ሓወይ ንደቡብ ሱዳን ሰላም ዘምጽኣላ እንተኾይኑ፣ ከም ጸጋ ክቕበሎ’የ ክብል ተሰሚዑ።

ብመንጎኝነት ኢጋድ፣ ኣብ 2018 ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ከይፈርስ ተሰጊኡ ከምዘሎ፣ ዝተፈላለዩ ሓይልታት እታ ሃገር ይእንፍቱ።

ሓደ ካብ መራሕቲ ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፣ ጀነራል ሲሞን ጋትዌክ ዱዋል፣ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ብምእማት፣ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ክዝቲ ከምዝደሊ ምስ ሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ምትግባር ስምምዕ ሰላም ዛሕልታት ኣርእዮም ብዝብል፣ ኣመሪካ ንትግባረኡ ካብ ዝከታተል ጉጅለ ከምዝሰሓበት ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጻ ይዝከር።

ትግባረ እቲ ስምምዕ ሰላም ተጓቲቱ ስለዘሎ፣ ኣብ 2023 ምርጫ ክካየድ ተሰሪዑ ዘሎ መደብ ክዕወት ኣይክእልን’ዩ ዝብል እምነት ዘለዋ ኣመሪካ፣ ካብቲ ናይ ምክትታል ጉጅለ ምስሓባ ነቲ ኣብ ሰንኮፍ ዝርከብ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ተንተንቲ የጠንቅቑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0