ኣል ሸባብ፣ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ግዜ ኣጥቂዑ

Radio Erena: 27 July 2022

ኣልሸባብ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ምስ ሶማል ኣብ ዘዳውባ ቁሸታት ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ግዜኡ መጥቃዕቲ ምክያዱ ተገሊጹ።

መንግስቲ ክልል ሶማል ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ፍሉይ ሓይሊ ናይቲ ክልል ብሰኑይ 25 ሓምለ፣ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኢትዮጵያ፣ ዞባ ኣፍዴር ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ምስ ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተዋግኡ ኣረጋጊጹ።

ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣቐዲሞ’ውን፣ ካብ ዞባ ባኮል ናይ ሶማል ተበጊሶም፣ ይድን ዓቶን ንዝተባህላ ቁሸታት ብምጥቃዕ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ከምዝፈተኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ’ዩ።

ብውሕዱ 17 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣስታት 100 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተደምሰሱ እቲ መንግስቲ ሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣልሸባብ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደ እኳ ይገልጽ እንተሎ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብዚ እዋን’ዚ ልዑል ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ምስ ነበርቲ ሓያሎ ቁሸታት ኣብ ዘካየድኦ ዝርርብ ገሊጸን።

ኣልሸባብ፣ ዶብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ምስ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ውግእ ክገጥም ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት እዚ ንፈለማ እዋን’ዩ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0