ኣብ የመን ጸኒዑ ዝጸንሐ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፤ ብምኽኒያት ዒድ ኣል ኣድሓ ተናዊሑ

Radio Erena: 08 July 2022

ኣብ የመን ጸኒዑ ዝጸንሐ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፤ ብምኽኒያት ዒድ ኣል ኣድሓ ከምዝተናወሐ ተገሊጹ።

ዕጡቓት ሑቲ፤ ሰራዊት የመን ከምኡ’ውን ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ብሓባር ነቲ ስምምዕ ከምዝተቐበሉዎ፤ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ሃንስ ግሩንድበርግ ገሊጹ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ መግለጺኡ፤ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ንዘርኣዩዎ ጻዕሪ ሞጊሱ።

ብኻልእ ወገን፤ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ፤ ናብ ሓይልታት ሑቲ ዘምርሕ ዝነበረ ዝተራቐቐ ሚሳላት ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ብኢራን እትውነን መርከብ፤ ሚሳይላት ጽዒና ናብ የመን ኣብ እትጎዓዘሉ ዝነበረት እዋን፤ ኣብ መጻብቦ ዖማን ምስ በጽሐት ከምዝተታሕዘት ኣፍሊጡ።

ኢራን ንሓይልታት ሑቲ ትድግፍ ምህላዋ ኣብ እትኽሰሰሉ እዋን፤ ናይ ኣሉታ ምላሽ እያ ክትህበሉ ጸኒሓ።

ኣቐድም ኣቢሉ፤ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓሊ ኣስጋሪ፤ ኣብ የመን ዘሎ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፡ ቀዋሚ ዝኾነሉ መንገድታት የናድይ ከምዘሎ፤ ንፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ገሊጹ’ዩ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0