ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ንኢትዮጵያ 1.9 ቢልዮን ዶላር ተወሳኺ ወጻኢታት ከምዘስዓበላ ተገሊጹ

Radio Erena: 10 June 2022

ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ንኢትዮጵያ ኣስታት 1.9 ቢልዮን ዶላር ተወሳኺ ወጻኢታት ከምዘስዓበላ፣ ንመግለጺ ሚኒስተር ልምዓት፣ ዶ/ር ፍጹም ኣሰፋ ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ኣቃሊሑ።

እታ ሚኒስተር፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ ዘቕረበቶ ገምጋም፣ ለበዳ ኮቪድ 19 ፈጢርዎ ዝጸንሐ ቁጠባዊ ጸቕጢ ከይኣክል፣ ኵናት ሩስያን ዩክሬይንን ተወሳኺ ምዝንባዕ ኣኸቲሉ ምህላዉ ኣረዲኣ።

ብመሰረት እቲ ገምጋም፣ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኵናት ሩስያን ዩክሬይንን፣ ኢትዮጵያ ንሸመተ ስርናይን ነዳዲን፣ ኣስታት 1.9 ቢልዮን ዶላር ብሸርፊ ድማ ልዕሊ 98 ቢልዮን ብር ተወሳኺ ወጻኢታት’ዩ ሓቲቱዋ።

ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ብለበዳ ኮቪድን ድሒሩ ዝተወልዐ ኵናት ሩስያን ዩክሬይንን ንላዕሊ፣ ዓመትን መንፈቕን ኣቝጺሩ ዘሎ፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ብዝበኣሰ ንቑጠባኣ ከምዝሃሰዮ ተንተንቲ የመልክቱ።

ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝቕጽል ዘሎ ኵናት፣ ብደረጃ ዓለም ቁጠባዊ ዘይምርግጋእን ወሰኽ ዋጋታትን ኣኸቲሉ እኳ እንተሎ፣ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበኣሰ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሸመተ እኽሊ ኣብ ሩስያን ዩክሬይንን ተሞርኪሰን’የን ጸኒሐን።

እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ሰኔጋልን ማኪ ሳል፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሩስያ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ከም ስርናይ ዝኣመሰለ ኣእካል፣ ብዘይዕንቅፋት ናብ ኣፍሪቃ ዝልኣኸሉ ተኽእሎታት ምስ ፕርዚደንት ፑቲን ተመያይጡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0