ኬንያ፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ዞባ ማርሳቢት፣ ዘይሕጋዊ ጠበናጁ ናይ ምእካብ ስርሒት ክትቅጽሎ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 10 June 2022

መንግስቲ ኬንያ፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውቦ ዞባ ማርሳቢት፣ ኣብ ኢድ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ዘሎ ጠበናጁ ናይ ምእካብ ስርሒት ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ማርሳቢት፣ ልዕሊ 3 ሽሕ ዝግመት ጠበናጁን ኣሽሓት ጠያይትን፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብውልቀሰባት ተወኒኑ ከምዘሎ፣ ኣገልግሎት ዜና ኬንያ፣ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ፍረድ ማትያንጊ ብምጥቃስ ኣመልኪቱ።

ሓይልታት ጸጥታ ኬንያ፣ እቲ ስርሒት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዝጅምርዎ ዛጊት ኣስታት 200 ጠበናጁ ጥራይ’ዮም ክእክቡ ክኢሎም።

እቲ ተገሚቱ ዘሎ ብዝሒ ጠበናጁ ኣብ ቁጽጽር ክሳብ ዝኣቱ፣ እቲ ‘ራጀሻ ኣማኒ’ ዝተሰምየ ስርሒት ክቕጽል ምዃኑ ሚኒስተር ፍረድ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዞባ ማርሳቢት፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ተኣዊጁ ዘሎ ሰዓታት እቶ እቶ ይርከብ።

ኣብ ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ግጭታት ክውላዕ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብወገን ኢትዮጵያ ጠንቂ እቲ ግጭት ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ’ዮም ዝብል ወቐሳ ክስማዕ እንከሎ፣ ኬንያ ግና፣ ዘይሕጋዊ ጠበናጁ ዝዓጠቑ እናበለት ‘ያ ትገልጾም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ 23 ግንቦት ናብ ኬንያ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ዶባት ብፍላይ ድማ ኣብ ማርሳቢት ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ብዝምልከት ከምዝተመያየጡ ምንጭታት ዜና ይእንፍታ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0