ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ንፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሱዳን ክሰጎ ምዃኑ ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 05 April 2022

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ንፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፣ ቮልከር ፐርትስ፣ ካብ ሱዳን ክሰጎ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

እቲ ጀነራል፣ ኣብ ባሕቲ ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ምምራቕ ኣባላት ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ እቲ ፍሉይ ልእኹ፣ ደረት ስልጣኑ ይሓልፍ ከምዘሎ ብምውቃስ’ዩ ካብ ሱዳን ክሰጎ ከምዝክእል ዝሓበረ።

‘እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ክሕሱ ኢና ሰሚናዕዮ።’ ክብል ጀነራል ኣልቡርሃን ገሊጽዎ።

ፍሉይ ሉእኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፣ ቮልከር ፐርትስ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሱዳን ኣመልኪቱ፣ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እታ ሃገር ብቁጠባ ትሕመስ ምህላዋ ብምጥቃስ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣንጻር ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ሱዳናውያን ጎነጽ ይጥቀሙ ምህላዎም ኣገንዚቡ።

መግለጺታት እቲ ፍሉይ ልኡኽ ዘቖጠዖ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ‘ደረት ስልጣኑ ደጋጊና ኣዘኻኺርና’ዮ ኢና። ክንዘራርብ ከም እንኽእል ‘ውን ነጊርናዮ። ንሱ ግን ደጋጊሙ’ዩ ዝሕሱ ዘሎ። ከምዚ እንተቐጺሉ ድማ ክንሰጎ ምዃና ነጊርናዮ ኢና።’ ክብል መዲሩ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0