ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ሒደት ኣዋርሕ፣ ኣስታት 100 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ንምስጓግ ወጢና

Radio Erena: 04 April 2022

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ሒደት ኣዋርሕ፣ ኣስታት 100 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ንምስጓግ ወጢና ከምዘላ ቴሌቪዥን ፈረንሳ 24 ኣቃሊሓ።

ኣብታ ሃገር፣ ኣስታት 750 ሽሕ ኢትዮጵያን ከምዘለዉ ንጸብጻብ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ብምውካስ ዝጠቐሰት እታ መደበር ቴሌቪዥን፣ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ካብዚኣቶም  ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ምዃኖም ኣገንዚባ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቶም በብእዋኑ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝስጎጉ ዜጋታቱ ንምትእንጋድ ምድላዋት ከምዝገበረ ‘ዩ ዝገልጽ።

እንተኾነ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ እቲ መንግስቲ፣ 100 ሽሕ ንዝኣኽሉ ካብ ስዑዲ ዓረብ ንዝስጎጉ ዜጋታቱ፣ ቆላሕታ ክትገብር ዓቕሚ ከምዘይህልዎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

ንግስነት ስዑዲዓረብ በብእዋኑ ዝሓዘቶም፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይጸንሖም ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ ማእከላት፣ ሰብኣዊ ርህራሄ ብዝጎደሎ ኣታሕዛ ቀይዳቶም ከምዘላ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክወቕሱ ጸኒሖም’ዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ ንዝተሰጎጉ ዜጋታቱ፣ ንተወላዶ ትግራይ ፈልዩ፣ ንበይኖም ክዳጕኖም ከምዝጸንሐ’ውን ይውቐስ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣስታት፣ 350 ሽሕ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብ ዓዶም ከምዝመለሰት ጸብጻባ እቲ ኣህጉራዊ ማሕበር የመልክት።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0