ግብጺ፤ ምጥራዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደው ከተብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ

Radio Erena: 27 March 2022

መንግስቲ ግብጺ፣ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ዝገብሮ ዘሎ ምጥራዝ ደው ከብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብዕለት 25 መጋቢት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ጥራይ፣ መንግስቲ ግብጺ 31 ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ሰጒጉ። ኣብ ኣስዋን ተቐዪዶም ዝጸንሑ፣ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርከብዎም ካልኦት ሓምሳ ከኣ ንክጥርዞም ኣብ መስርሕ ምህላዉ፣ ኣምነስቲ ኣቃሊዑ።
ቤት ጽሕፈት’ቲ ትካል ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ግብጺ ንዝኣተወቶ ኣህጉራዊ ውዕል ምሕላው መሰል ስደተኛታት ብምጥሓስ ንእተካዪዶ ዘላ መስርሕ ምስጓግ ደው ከተብል ጸዊዑ። ስቓይን መግረፍትን ዝተሓወሶ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ይፍጸም ከምዘሎ ዝገልጽ እቲ ቤት ጽሕፈት፣ መስርሕ ምስጓግ ደው ክብል፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ከኣ ብቕልጡፍ ናጻ ክወጹ ጸዊዑ።
እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ምቕያዶም ጥራይ ከይኣክል፣ ንሰብኣዊ ክብሪ ዘዋርድ፣ እኹል ቀረብ ማይን መግብን ዘይብሉን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘይረኽቡሉን ኩነታት ምህላዎም ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ’ዩ ኣምነስቲ ዝገልጽ።
ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግፋ ከካዪዱን፣ ብዘይዝኾነ ምኽኒያት ክኣስሩን ጸኒሖም እዮም።
ብተመሳሳሊ፣ እቶም ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ እውን፣ ከም ከዳዓት ተቖጺሮም፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ካልእ ማእሰርትን መከራን ከምዝርእዩ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2021 ዝወጸ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ኣብ ግብጺ፣ ካብ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝተዋህቡ ኤርትራውያን፣ ልዕሊ 20,700 ይበጽሑ።

 

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0