ኣል-ሑቲ ናይ የመን፣ ናይ ሰለስተ መዓልታት በይናዊ ተኹሲ ደው ምባል ኣዋጅ ኣውጺኡ

Radio Erena: 27 March 2022

ኣል-ሑቲ ናይ የመን፣ ናይ ሰለስተ መዓልታት በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ከምዘውጸአ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ፖለቲካዊ መራሒ’ቲ ውድብ ማህዲ ኣል-ማሻት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ተካዪዶ ዘላ ደብዳብ ደው እንተቢላቶ፣ ንሓዋሩ እውን ክቕጽል ከምዝኽእል ገሊጹ።
እቲ ብዕለት 26 መጋቢት ብኣል-ሑቲ ዝተዋህበ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ስዑዲ ዓረብ ተኸታታሊ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕታት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት የመን ምክያዳ እዩ።
እቲ ስዑዲ ዓረብ ዘካየደቶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ሑቲ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊኣ ምፍጻሙ እዩ።
ቀዳም 26 መጋቢት፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ከተማታት ሰንዓን ሖደይዳን ኣብ ዘካየደቶ ደብዳብ፣ ብውሑዱ 7 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
እቲ ንሳልስቲ ተኣዊጁ ዘሎ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ክካየድ ዝጸንሐ ፍረ ኣልቦ ዘተ ሰላም፣ ግብራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝዓለመ እዩ ክብሉ መራሕቲ ኣል-ሑቲ ይገልጹ።
ሸውዓተ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ የመን፣ ኤርትራ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት ኢድ ብምእታወን፣ ናብ ዞባዊ ኲናት ከይዓርግ ስግኣታት ኔሩ’ዩ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0