ኤርትራ፣ ጽባሕ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝጅምር መበል 17 ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ’ያ

Radio Erena: 21 March 2022

መበል 17 ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ (African Continental Cycling Championship) ካብ ጽባሕ 22 መጋቢት ክሳብ ዝመጽእ ሰንበት 27 መጋቢት ኣብ ከተማ ሻርም ኣልሸኽ ግብጺ ክሰላሰል እዩ።

ነዚ ውድድር ደቒ ተባዕትዮን ደቒ ኣንስትዮን፡ ኣብ ደረጃታት ዕድመ ሲንየር፡ ትሕቲ 23 ዓመትን ጁንየርን ተኸፋፊሎም ብጋንታን ብውልቕን ከካይድዎ እዮም።

ኣብ’ዚ ውድድር ሻምፕዮን እትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ልምምዳታ ከተካይድ ብድሕሪ ምጽናሓ፡ ብ20 መጋቢት ኣብ ግብጺ ኣትያ።

ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ናብ ግብጺ ገይሾም ዘለዉ ተቐዳደምቲ፡ ብኣሰልጠንቲ ሳምሶን ሰለሙን፣ ዮናስ ዘካርያስን ዮሴፍ ተኽላይን ዝእለዩ ኮይኖም፣ ብሓፈሻ 21 ‘ዮም።

ኣብ 2001 ዓ.ም. ዝጀመረ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ካብ 2005 ንደሓር፡ ብዘይካ ኣብ ዓመታት 2014 ን 2020ን ፡ ዓመታዊ ብቐጻልነት ክካየድ ጸኒሑ።

ኤርትራ ኣብ’ዚ ቅድድም ንፈለማ እዋና ኣብ 2005 ምስታፍ ካብ እትጅምር፣ ብዘይካ ኣብ 2006፡ 2009 ከምኡ’ውን 2021 ኣብ ኩሉ ከይቦኸረት ተኻፊላ።

# ነዚን ካልእን ዘጠቓለለ ሰፊሕ ጸብጻብ ስፖርት ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወና ክቐርብ ምዃኑ ኣቐዲምና ነዘኻኽረኩም።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0