ቻይና፣ ዋዕላ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተእንግድ ምዃና ገሊጻ

Radio Erena: 21 March 2022

ቻይና፣ ዋዕላ ሰላም ዞባ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተእንግድ ምዃና፣ ንፍሉይ ልኡኽ እታ ሃገር ኣብቲ ዞባ፣ ኣምባሳደር ዡ ቢንግ ብምጥቃስ፣ መርበብ ዜና ዘ ስታር ካብ ናይሮቢ ሓቢራ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ናብ ሃገራት እቲ ዞባ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ፈለማ ዑደቱ ብምቕጻል ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ናብ ኬንያ ብምምራሕ ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ድሕሪ ምራኽቡ’ዩ ነዚ ገሊጹ።

ኬንያን ኢትዮጵያን ነቲ ዋዕላ ንምትእንጋድ እማመ ከምዘቕረባ ዘገንዘበ ኣምባሳደር ዡ፣ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ኣዋርሕ ክካየድ መደብ ምህላዉ ኣነጺሩ።

እቲ ዋዕላ፣ ኣብ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ዘየቃዱ ፍልልያት ብዘተ ንምፍታሕ ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ኣምባሳደር ኣሚቱ።

ብፖለቲካዊ፣ ወትሃደራዊ፣ ቁጠባውን ሰብኣውን ቅልውላው ዝሕመስ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበሮ ኩነታት ንድሕሪት ተመሊሱ ምህላዉ’ዩ ዝትንተን።

ኣብቲ ዞባ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ተኣሳሲሩ ረብሓታት ዘለወን ሃገራት ድማ፣ በብወገነን መፍትሒታት ንምንዳይ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ይመያየጣ ምህላወን ይፍለጥ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0