ሓይልታት ኣመሪካን ፈረንሳን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ልምምድ ኣካይዶም

Radio Erena: 21 March 2022

ሓይልታት ኣመሪካን ፈረንሳን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይዶም።

እቲ ካብ 13 መጋቢት ኣትሒዙ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ክልቲኤን ሃገራት፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ዝተበገሰ ኮይኑ፣ ሓይልታት ምድሪ፣ ባሕሪን ኣየርን ዘጠቓለለ’ዩ።

ብዝሒ ናይቲ ኣብቲ ልምምድ ዝተሳተፈ ሰራዊት እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ደቡብ ካሮላይና ዝመደበሩ ሓደ ሰራዊት ኣሃዱ ኣመሪካ ኣብቲ ልምምድ ከምዝተጸንበረ፣ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሜጀር ጀነራል ዊልያም ዛና ዝምራሕ፣ ናይ ኣመሪካ ዞባ ሓይሊ ዕማም፣ እቲ ምስ ፈረንሳ ዘካየዶ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብ በዳሂ ኩነታትን ቦታን ክግበር ዝኽእል ርክባትን ስርሒታትን ንምውህሃድ ዝሕግዝ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ ጂቡቲ ልዕሊ 4 500 ወትሃደራትን ዝሓቖፈ ወትሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ኣመሪካ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተደጋጋሚ ልምምድ ኣካይዳ ኣላ።

ኣስታት 1500 ወትሃደራት ኣብ ጂቡቲ ዘለውዋ ፈረንሳ ብወገና፣ ሽበራውያን ጉጅለታት ንምህዳን ብዝብል፣ ኣብ ቅናት ሳሕለ ሰሃራ ንዝግበር ወፍሪ፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ መናሃርያኣ ምዃኑ ይጥቀስ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0