ሶማል፣ ንልዕሊ ሸውዓተ ግዜ ዝተሰጋገረ ምርጫ ን31 መጋቢት ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 21 March 2022

ንመወዳእታ ግዜኡ፣ ኣብ 15 መጋቢት ክካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ምርጫ ሶማል፣ እንደገና ብክልተ ሰሙን ተናዊሑ።

እቲ ምርጫ ዝተናውሐ፣ ክልተ ካብ ሓሙሽተ ዞባታት እታ ሃገር ወከልተን ክመርጻ ብዘይምኽኣለን ምዃኑ ኮሚተ ምርጫ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብወከልቲ ህዝቢ ወይ ታሕተዋይ ገዛ ዝፍለጥ ባይቶ ሶማል፣ 275 ወናብር ዘለዎ ኮይኑ፣ ፕረዚደንት ክመርጽ እንተኾይኑ ብምልኣት ድምጺ ክህብ 39 ኣባላት ይተርፍዎ።

መብዛሕቶም እዞም ዘይተመርጹ ኣባላት ባይቶ፣ ካብተን ምስ ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ ዞባታት ጁባላንድን ፑንትላንድ’ዮም።

ሃገራዊ ምርጫ ኣብ 31 መጋቢት ክካየድ ተመዲቡ እኳ እንተሎ፣ እዚ’ውን ኣተኣማማኒ ከምዘይኮነ ንኩነታት ሶማል ብቀረባ ዝከታተሉ ወገናት ይገልጹ።

ተደጋጋሚ ምንዋሕ ምርጫ ሶማል፣ ነቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ዘጋድድ ከይከውን ይስጋእ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0