ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ሶማል ማዕቀብ ኣንቢራ

Radio Erena: 27 February 2022

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰበስልጣን ሶማል ማዕቀብ ኣንቢራ።
ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዓርቢ 25 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ምርጫ ሶማል ሕጂ’ውን ብምንውሑ፣ ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ዘይምርግጋእ ኣብ ልዕሊ ሓላፍነት ዝወስዱ ሰበስልጣን ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ናይ ምንቅስቓስ ማዕቀብ ምዃኑ ገሊጹ።
ሓፈሻዊ ምርጫ ሶማል ንዕለት 25 ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ክዛዘም መደብ ወጺኡ እኳ እንተነበረ፣ ሕጂ’ውን ናብ ዕለት 15 መጋቢት እዩ ተሰጋጊሩ ዘሎ።
ዛጊት ተኻዪዱ ኣብ ዘሎ ናይ ታሕተዋይ ባይቶ ምርጫ፣ ካብ 275 ወናብር፣ እቲ 179 ጥራይ እዩ ኣብ ምርጫ ብዝተዓወቱ ሰባት ተታሒዙ ዘሎ።
እዚ በብእዋኑ እንዳተናወሐ ዝኸይድ ዘሎ ምርጫ ሶማል፣ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ፈደራላዊ መንግስትን፣ መራሕቲ ቀቢላታትን ካብ 1991 ኣትሒዙ ዝጸንሐ ምትፍናን ዝያዳ ጓህሪ ዝውስኽ ከይከውን እዩ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0