ሱዳን፣ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካዪዶ ዘላ ወራር ትድግፍ’ያ ተባሂሉ ዝወጸ ሓበሬታ፤ መንግስቲ’ታ ሃገር ሓቅነት የብሉን ኢሉ

Radio Erena: 27 February 2022

ሱዳን፣ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካዪዶ ዘላ ወራር ትድግፍ’ያ ተባሂሉ ዝወጸ ሓበሬታ ሓቅነት የብሉን ክብል መንግስቲ’ታ ሃገር ገሊጹ።
ወግዓዊ ልሳን መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምኽትል ኣቦ ወንበር ወተሃደራዊ ቆንስል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፣ ኣብ ሩስያ ኣብ ዘካዪዶ ዘሎ ዑደት፣ ምስ ሩስያውያን ሰበስልጣን ተራኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ፣ ‘ሩስያውያን ዶባቶም ክሕልዉ መሰል ኣለዎም’ ደኣ ኢሉ እምበር፣ ንወራር ኣይደገፈን ኢሉ።
ሓያሎ ገበናት ከምዝፈጸመ ዝኽሰስ መራሒ ምልሻ R.S.F. ዳግሎ፣ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣልበሽር ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፣ ምስ ወተሃደራውያን ትካላት ሩስያ ጥቡቕ ምትሕብባር ከምዝነበሮ እዩ ዝግለጽ።
ኣብ ሩስያ ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳን ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ‘ሕምቲ ዝሃቦ ቃል፣ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ብተቓወምቲ ሓይልታት ትሕዝቶኡ ከምዝጥምዘዝ ተገይሩ’ ክብል ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡ።
ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን፣ ‘መደረ ምኽትል ኣቦ ወንበር ወተሃደራዊ ቆንስል፣ ንሱዳን ኮነ ንህዝቢ ሱዳን ኣይውክልን እዩ’ ብምባል ምስ መላሕ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ፍቕርን ሓድሕድ ምክብባርን ዝተመስረተ ዝምድና ደኣምበር፣ ንወረርቲ ምድጋፍ ንፖሊሲ ሱዳን ኣየንጸባርቕን እዩ ኢሉ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0