Radio Erena: 28 January 2022
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፣ ብዝተፈላለየ ገበናት ተኣሲሮም ዝጸንሑ፣ 22 ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን እታ ሃገር ነበር ብዋሕስ ክፍትሑ ከምዝወሰነ ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።
እቶም ሓለፍቲ ነበር፣ ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ፣ ዳይረክተር ናይቲ ናይ ስለያ ትካል ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ፣ ዝተፈላለየ ክስታት ተመስሪትሎም፣ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝተኣስሩ’ዮም።
ገለ ካብኣቶም፣ ምክትል ዳይረክተር ነበር፣ ኣቶ ያሬድ ዘሪሁንን ሓላፊ ክፍሊ ስለያ ጸረ ሽበራ ኣቶ ተስፋዮ ኡርጌን ይርከብዎም።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፣ ነቶም ብዝልዓለ ገበናት ተኸሲሶም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ሓለፍቲ ስለያ ነበር ብናይ 30 ሽሕ ብር ወይ ኣስታት 6 ሽሕ ዶላር ዋሕስ ክፍትሑ ዝወሰነሉ፣ ንተቓውሞ ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ውዱቕ ብምግባር’ዩ።
ኣቐዲሙ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዝልዓለ ገበናት ክድዓት ሃገር ከሲሱ፣ ኣብ ማእሰርቲ ሒዝዎም ዝጸንሐ፣ መብዛሕቶም ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ነበር ብዘይቅድመ ኩነት ከምዝፈትሐ ይዝከር።
ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ መንግስቲ፣ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ፣ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ልዕሊ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን ትግራይ ኣንቢርዎ ዝነበረ ክሲ’ውን ኣልዒሉ’ዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምታት ምፍታሕ እሱራትን ምልዓል ክስታትን፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ናይ ምዝርራብ መደብ ከምዘሎ ዝእንፍት ፖለቲካዊ ውሳኔ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።
======================
COMMENTS