ቁጠባ ኤርትራ፣ ወዲቕዎ ካብ ዘሎ ደረጃ ናይ ኣብዚ ዓመት ናይ 4.8% ዕብየት ከርኢ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 16 January 2022

ቁጥባ ኤርትራ፣ ወዲቕዎ ካብ ዘሎ ደረጃ፣ ኣብዚ ዓመተ 2022 ናይ 4.8% ዕብየት ከርኢ ከምዝኽእል ንጸብጻብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ወይ IMFብምውካስ፣ ኢንቨስትመንት ሞኒተር ዝተባህለ መርበብ ዜና ኣብ 14 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ ሰፊሕ ዓንቐጽ ኣቃሊሑ።

ኣብ ዓመተ 2021፣ ቁጠባ ኤርትራ ብ2.9% ከምዝተንስአ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ መጠናዊ ዕብየት ከርኢ’ዩ ዝብል ትንቢት ዝወሃቦ ዘሎ ኣብ ዕደና ዘሎ ተስፋታት ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ IMFኣስሚርሉ።

ብመሰረት ገምጋም እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል፣ ህሉው ቁጠባ ኤርትራ፣ ኣስታት 2.48 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ።

ካብ 2014 ኣትሒዙ፣ በብዓመቱ ከንቆልቁል ዝጸንሐ ጃምላዊ እቶት ኤርትራ፣ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ወራር ዕስለ ኣንበጣን ተተሓሒዙ፣ ኣብ 2020 ብተወሳኺ 0.6% ወሪዱ።

ኣብዛ ዓመት እዚ’ኣ ዓመታዊ ጃምላዊ እቶት ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ፣ 678 ዶላር ክበጽሕ ተገምጊሙ ከምዘሎ ዘመልከተ ኢንቨስትመንት ሞኒተር፣ በዚ ኣሃዚ’ዚ ኤርትራ ሓንቲ ካብ ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ኮይና ከምእትቕጽል ደምዲሙ።

እዚ ኣሃዝ’ዚ ናብ ናይ መዓልታዊ እቶት ክምቐል እንከሎ፣ ኣታዊ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ፣ ክልተ ዶላር’ውን ክበጽሕ ኣይከኣለን።

ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ብዘቐመጥዎ መምዘኒታት፣ መዓልታዊ ትሕቲ ክልተ ዶላር ጥራይ ኣታዊ ዘለዎም ሰባት፣ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ከምዝነብሩ የመልክት።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================